top of page
  • Writer's pictureNationalEr Interest

እንታይ ኣሎ! Entay Alo! (ተሰራዕ ተማዓራረ!/TeSeRae TeMaRaRe!)A Weekly Updating & Analysis!

ዝከበርኩም ተኸታተልቲ መደብና፡ ብመሰረት ቀጻሊ ትህቡና ዘለኩም ሃናጺ ርኢቶን ነቀፌታን እንዳኣመስገና፡ ነቲ ብውሽጣዊ መስመር ብዙሓት ካባኩም፡ እቲ ጽሑፍ ኣብ ቀዳመ/ሰንበት ተጠቃሊሉ ካብ ዝነውሕ፡ በብርእስቱን ማዓልቱን እንተዝወጽእ ንዘተን ምክትታልን ምጠዓመ ዝብል ኣራሚ ርኢቶኩም፡ ኣወንታዊ ኮይኑ ስለዝረከብናዮ፡ ካብ ሎሚ ጀሚርና፡ ኣብ ነፊሲ ወከፍ መዓልቲ ሓሓደ ወይ ክልተ ኣርእስቲ እንዳ ኣልዓልና፡ ኣብ ርእሲ ናይ እዋናዊ ዜናን ሓበሬታን ኣገልግሎት ከነቅርበልኩም ክንፍትን ኢና፡ ስለዝኮነ ከኣ እቲ ኣርእስታት ውን ንስኩም ኣቀዲምኩም ክትሳተፍሉ ኣቀዲምና ብምዝርጋሕ ክፉት ክንገብሮ ኢና። እቲ ዝድለ ዘሎ ሃናጽን ብሱልን ሚዛናዉን ኣወንታዊ ርእየት/ርዲኢት ምህላው ክሳብ ዝኮነ፡ ንዘለኩም ሓሳባት ውን ኣብ ርእሲ ኣብዚ ትህብዎ ርኢቶ፡ ብውሽጣዊ መስመር ስደዱልና፡ ንሕና ውን ነቲ ኣርእስቲ ኣሃፍቲምና ከነቅርበልኩም ክንሰርሕ ኢና። ንዞባዊ ወይ ኣህጉራዊ ጉዳያት ዝምልከት ኣርእስታት ምስ ዝከዉን ኩሉ ዝምልከቶ ክሳተፍ ክፉት'ዩ።


•••••••እንበኣር ናይዚ ሰሙን ቀንዲ ኣርእስታትና•••••••

  1. ሕጽቦ፡ ዉግእ ክልተ ተጻረርቲ ስነሓሳብ ኣብ ምዕራፉ!

  2. ፖለቲካ ኢትዮጵያን ዞባናን፡ ራኢ ቀርኒ ኣፍሪቃ!

  3. ብዛዕባ እታ መጽሓፍ "ሃገረይ"

  4. ስግረዶብ ከም ስትራተጂን ሃዳምነትን፡ 4ይ ዞባ መኸተ ወሳኒ ኣብ ምዕዋት ስትራተጂ መንግስቲ ኤርትራን ሓላፍነቱን!

  5. ፖለቲካ ኤርትራ ቁ.2፡ ናይ ዉዳበ ዓንኬላት መንእሰያት ኤርትራ እንታይ ይመስል.(ተኸታታሊ ጽሑፍ).

  6. ስልጣን፡ ተሞኩሮ መንእሰይን ስነጥበበኛን ኡጋንዳዊ ቦቢ ዋይን በዓል ኣረጊት ፖለቲካ!

  7. ደጋጊመ ደጋጊመ ብዛዕባ እገዳ ይዛረብ ኣለኹ!

  8. ዓድሃሎ፡ ዞባታት መኸተን ልምዓትን.

  9. ኣዋጅ ሃገራዊ መደብ፡ እቲ ናይ መጻኢ ቃልሲ፡ ብዕዮ-ገዛኻ ምስራሕ ይጅምር!

"ተሰራዕ ተመዓራረ፡ Rights but Limited! Duty but Obligatory!" ባህሊ ሰዉራ ኤርትራን ሳዋን ካብ ዘተኣታትዎ፡ ኣብ ሓደ ህዝቢ መንፈስ ውህደትን ምክእኣልን ዘተኣታቱ ኣምር ኮይኑ፡ ኣብ መደብና ከም ንኡስ ኣርእስቲ ከነተኣታትዎ ጀሚርና።


ተወሳኺ ብዛዕባ እንቀርቦ ጽሑፍ፡ እዚ ገጽ ከም ዘይመንግስታዊ ኣካል ምኳኑ መጠን፡ ንዝኮነ በዓል መዚ ወይ መንግስታውያን ኣካላት ወይ ውልቀሰባት ዝውክል ኣይኮነን። ነቅርቦ ትንተና ወልቃዊ (ባዕላዊ) ምኳኑ ውን ክንሕብር ንፈቱ። ሓበሬታ ንጹር እሙንን ንምግባር ግን ብዝከኣለና፡ መጽናዕታውን፡ መወከስን ከምዘለዎ ክንገብሮ ንጽዕር፡ ዘለኩም ሃናጺ ሓሳብን ነቔፊታን ድማ ኣቀዲምና ነመስግን።


  1. ሕጽቦ፡ ውግእ ክልተ ተጻረርቲ ስነሓሳባት ኣብ ምዕራፉ.

ንቡዝሓት ካባና ብዛዕባ እዚ ኩሉ ኣብዚ ዝሓለፈ 20ዓመታት ዝሓለፈ ኪናትን ተጻብኦታትን ብንጹር እቲ ጠንቂ ነጺሩ ክረኣየና ዘየሸግር ኣይኮነን። ብቀንዱ ጉዳይ እቲ ከቢድ ሰብኣውን ንዋትን ዕንወት ዘውረደ ኪናት ኤርትራ ኢትዮጵያ ዶባዊ ምስሕሓብ ዝወለዶ ሽግር ኮይኑ ይስማዓና ኔሩ'ዩ። እንተኮነ ክልቲኦም መራሕቲ ኣኣብ በበይኑ እዋን፡ እቲ ጠንቂ ዶባዊ ግጭት ኣይነበረን ክብሉ ሰሚዕና ኢና። ኣቶ መለስ፡ "ናይ ኢኮኖሚ ሽግር'ዩ እንበር ባድመ ተወሪርና'ዶ ካልእ ኣይኮነን"፡ ሻዕቢያ ንኩሉ ክቆጻጸር ይሕልን ኔሩ ዝዓይነቱ ዘረባ ሰሚዕና ኢና። ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ውን ድሒሩ ኣብ ሓደ እዋን ቃለመሕትት፡ "ድሒርና ከምዝፈለጥናዮ፡ እቲ ኣጀንዳ ካልእ'ዩ ኔሩ" ክብል ገሊጹ ኔሩ'ዩ። ብዝኮነ ናይ ሃገራት ምዕራብ ብመንገዲ ድኹማት መራሕቲ ኣፍሪቃ ዝገብርዎም ምትእትታውን ነቲ ሽግር ኣብ ምትሕልላኽን ናይ ሓባር ረቛሒ ምዃኑ ገዲፍካ፡ ብቀንዱ ናይ ፍልስፍና ውግእ ከምዝነበረ የነጽረልካ።


እቲ ሓደ ናይ ማለሊት (ማርክስነትን ለኒንን ትግራይ) ዝብል ሽምን ናይ ቻይና/ዴሳዊት ሃገር ዝዓይነታ ባንዴራን ተኸዲንካ ንማሕበረሰብ ዓለም ንምድንጋር፡ ብመሰረት ሕልሚ "ማኒፌስቶ 1976" ኣብ ዓሌትን ኣቃዉማ ሕብረተሰብን ቶሞርኪስካ ሓዲሽ ጂኦግራፊ ምምስራት፡ ብስቱር ድማ ጽሩይ ስርዓት ካፒታሊዝም፡ ኣብ ስድራቤት ዝተሞርከሰ ልክዕ ከም እንዳ በዓል ካርኔገ (Andrew Carnegie፡ Leaded: 19 Century An Expansionist of American Steel Industry)Ref 01**፡ ሮካፈይለር (John Davison Rockefeller Sr. (July 8, 1839 – May 23, 1937): An American oil industry business magnate & industrialist)Ref. 02**: ጥሙሕ ቁጠባ ናይ ምምስራት ዝሓለነ'ዩ።


ቁጠባ ምምስራትን ምዕባይን ጽቡቕዩ። የግዳስ ዓለም ከምኡያ ትገብር ዘላ ኢልካ ስድራቤታዊ ኢንተርፕራይዛት ትከፍት እንተሊካ፡ እቲ ምኽታል መምስ ዝመጸ ስነሓሳብ ኣብዛ ዓለም ኣይበቀዐን እሞ፡ ውድቀት ክመጽእ ከሎ ከኣ ተለኻኺምካ ናብኡ'ዩ። እዞም ብኣብነት ዝጠቀስክዎም ስድራቤታዊ ቁጠባ ዝመስረቱ ጎባልል ዓለምና፡ ሎሚ ኣብ ዝኮነ ማዕከን ሜድያ ብከንቱ ክለዓሉ ዘፍቅድ ሕጊ የለን። ፖለቲካ ኣሜርካን ምዕራብን ውን ኣብዚኦም ዝተመስረተ፡ ንሓደ ስርዓት ብፕሮፖጋንዳውን ቁጠባዉን ሓይሎም እንተደልዮም ክተኽልዎ እንተደልዮም ክቡንቅርዎ ዘይእግሞም፡ ካብ ዝቀረበ ኣሜርካዊ ክሳብ ዝረሓቀ ካልእ ሓይሊ ኣንጻር ረብሕኦም ዝንቀሳቀስ ብዘይምሕረት ዝሰሃሉ ብዲፕ ስተይት (Deep State) ዝፍለጡ፡ ሰይጣናውያን ማሕበር እዮም። ሓዲሽ ምምሕዳር ኣሜርካ ዘጋጥሞ ዘሎ ሓያል መኸተ ምርኣይ ኣገዳሲ'ዩ። ብዙሓት ሰባት ከምዚ ጽሑፍ ከምጽእ ከለኹ፡ ወያነ ከምኡ ክትሓስብ ዓቅሚ ኣይነበራን፡ ኣሜርካዩ ኣብዚ ኣብጺሕዋ ወዘተ ኢልኩም ክትነቅፉኒ ዘይተዓዘብኩ ኣይኮንኩን፡ የግዳስ ኣስታት 260ሺሕ ዝኣክል መንእሰይ ንዝተፈላለያ ኣህጉራውያን ማሕበራትን መንግስታትን ኣካቲታ ከተፍልሶ ከላ ደኣ እንታይ ትዋጥዩ ኔርኩም? ኢለ ክሓተኩም ይፈቱ።


ብዝኮነ እዚ ኣጀንዳ ከም መጠን ምክታል ወይ ምምላኽ ካልእ ዓለማዊ ፍልስፍና ከምቶም ካልኦት ዝሓለፉ ስርዓታት ኢትዮጵያ ሓንሳብ ናብ ዋይታ ሃውዝ፡ ጸኒሑ ደርጊ ናብ ክረምሊን ተወሲኽካ ኣዚዩ ሓደገኛን፡ ካልእ ከቢድ ዕንወትን ከምጽእ ዝክእል ኣብ ስስዐን ቶንኮልን ዝተሞርከሰ፡ ንህዝብታት ኣብ ሕድሕድ ምክብባርን ምዕባለን ኣብ ክንዲ ዝሓስቡ፡ ኣብ ንቁልቁል ምትፍናንን ግጭታትን ዘአቱ (Vertical Polarization)፡ ካብ ዝኮነ ህዝቢ ክዉል ዝነበረ ዘይ-ሓራዊ ፖለቲካዊ መስመር እዩ ኔሩ። ህውሓት ናይ ቀደም ምስላ ተኸዲና'ያ ትንቀሳቀስ ኔራ። ሕጂ ግን ብዙሕ ዘድክም ምኽኒያት የለን፡ ኩሉ እቲ ሓቂ ተቀላሊዑ ኣብ ባይታ ምስ ተጸጥሐ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ መኪቱ፡ ህዝቢ ትግራይ ድማ ኣብ ከቢድ ክትዓት ኣቲዩ ኣሎ። ዋላ ሕጂ ውን ህዝቢ ኢትዮጵያ መኪቱ ክንብል ከለና ጌና ኣብ ዓሌት/ቢሄር ተሞርኪሱ'ዩ እዚ ለውጢ ኣምጺኡ ዝቅጽል ዘሎ ውን፡፡ ስለዚስ ብዙሕ ስራሕ የድልዮም።

ማለሊታዉያን ንባህሪያዊ ወይ ኣቃዉማ ታሪኽን ሕብረተሰብን ኣብ ግምት ዘእተወ ዶብ ደኣ እንበር፡ መግዛእታዊ ዶባት ኤውሮጳያን ሃገራት ኣብቲ ዉሽጣዊ ስልቶም ከም ዘይቅቡል እዮም ዝወስድዎ ዝነበሩ። እዚ ከኣ ኣበዋት ይኩኑ መሳፍንቲ ትግራይ እቶም ቀንዲ ናይ ሽመትን ግዝኣትን ታሪኻውያን መተሃላልኽቶም ብሸንክ ደቡብ ደኣ እንበር፡ ብወገን ሰሜን'ሲ ኣካል ኢኮኖሚያውን ፒለቲካውን ረብሓታት ህዝቢ ትግራይ እዩ ኔሩ ዝብል እምነቶም፡ ኣብዞም ናኣሽቱ ወለዶ ብዙሕ ጥምዙዝ ወይ ዝንቡዕ ርዲኢት ከስፍር ከምዝከኣለ ይረዳካ።


ሻዕብያን ወያነን ብሓንሳብ ንሓደ ዕላማ እየን ተቃሊሰን እሞ፡ ብተወሳኪ ውን ሕብረተሰብና ብቶንኮል ብመቃናቅንትና ሃጸያት ሽዋውያን ኣብ ክልተ ተገሚዑ'ዩ፡ ስለዚ ነቶም ቀተልትና ዝነበሩ ደርባውያን ኣምሓራ ዘሐቁፍ ምኽንያት የብልናን ዝብል ተወሳኺ መራጎዲ ስነሓሳብ ውን ተራእዩ ሓሊፉ እዩ። እቲ ታሪኽ ንሓቅነቱ ዝምልከት ብዙሕ መጽናዕቲ እኳ ዘድልዮ እንተኮነ፡ ከምዚ'ዩ ዝብል፡


ድሕሪ ውግእ ዓድዋ ጥልያን ሃጸይ ምሌሊክ ዝመርሕዎ ሰራዊት ኢትዪጵያን፡ ውዕል ውጫለ ተኸተመ። እቲ ውዕል ድማ፡ ምነሊክ ንባሕሪ ዝምልከት ዝቀረበሉ ሓሳብ፡ ኩሎም ባዕዳውያን ገዛእቲ ካብ ዑሶማናውያን ጀሚርካ፡ እንግሊዝ ንሃጸይ ቴድሮስ ኣብ መቅደላ ዘሕለፈሉ ግዜ፡ ግብጻውያን፡ ፖርቱጋላውያን ኮታ ብሓፈሻ ባሕሪ መምጻኢ ባዕዳዊ ወራር'ዩ እሞ ፈጺሙ ጥቃ ኢትዮጵያ ከይቀርብ ኢሉ ወሰነ። ነቶም ድሒሮም ስርዓታት ኢትዮጵያ ኣካልና ዝበልዎ ህዝቢ ኤርትራ/ባሕሪ ነጋሽ፡ ምናልባት ብራኢሲ ኣሉላ ዝተመርሐ ፈተነ ውግእ ዶጋዓሊ ገዲፍካ፡ ድማ ይገዛእ ይጨፍለቅ ነቲ ናይ ሽዑ እዋን ረብሓታቶም ዘሳሲ ስለዘይነበረ ኣይንታዮምን ኔሩ። ብምቅጻል፡ ውዕል ውጫለ ኣብቲ መጀመርታ ብምሌልክን ኣማከርቱን ዝተወሰነ፡ እቲ ብምልኡ ህዝቢ ትግራይ ትግሪኛ ብጥልያን ክግዛእ ኣሕሊፋካ ምሃብ ብምባል፡ መረብ ምላሽ ዝብል ዘይኮነ፡ ኣለዉሃ ምላሽ ይብል ነበረ። ደሓር ግን ኣማኸርቱ ዝንበሩ፡ እዚ ህዝቢ ከም ታሪኻዊ መቃናቅንትና መጠን፡ ብሓደ ክማሓደር እንተተጌሩ ጽባሕ ሓደገንኘት ክህልዎ'ዩ፡ ስለዝኮነ "ተመን ሕቁኡ እንተተመሰሰ፡ ተመሲሱ'ዩ ዝተርፍ እሞ እቲ ውዕል ካብ መረብ ከምዝከውን ብምትግባር ነቲ እንዳገፍሐ ዝከይድ ዝነበረ ታሪኻዊ ምፍልላይ ትግራይ-ትግሪኚ ደጊምካ ኣብ ክልተ ምግማዕ" ዝብል ሓሳብ ሒዞም መጻኡ እሞ ውዕል ከኣ ተማሓየሸ ይበሃል። ሃጸይ ምሌሊኽ፡ ኣብ ግዚኡ ልዕሊ 1.3ሚልዮን ኦሮሞ ውን ምስ ጥልያን ባረዩ ኢሉ ከምዝሸጦም ተስፋዮ ገብረኣብ ኣብታ "የኑረቢ ማህደር" ትብል ሓድስ መጽሓፉ ገሊጹ ኣሎ።

ደጊሙ ሃጸይ ተፈሪ ሞከነን ምስ መጸ ውን፡ ብዙሓት ተጋሩ ዝምጉቱላ ዛዕባ እንተሃልዩ፡ እዚ ማዕረ ክንድዚ ዝኮነ ጋግ ኣብ መንጎ ትግራይ-ትግሪኚ ክህሉ ዘክኣለ፡ ምጥምዛዝ ታሪኽን፡ ምሕታም ንዕኡ ዘሳስዩ መጻሓፍትን እዩም ኢሎም ውን ይምጉቱ።


እምበኣር ንሕና ኤርትራውያን ከም መጠን ሓደ ነባርን ዘልኣለማውን ስልጣኔን ሰላምን ንድሕሪት ዘይምለስ ክህሉ ንደልዮሉ ዘለና ምኽንያት ኣብ ግምት ብምእታዉ፡ ከነብርሆ ንደሊ እንተሎ፡ እዚ ኩሉ ዝተገብረ ሓሶት ማለት ኣይኮነን፡ ጽቡቕ ጌርና ከኣ ንፈልጦ ኢና። እቲ ዝነበረ ታሪኻዊ ድሕረ ባይታ ብምልኡ ተጣቃሊሉ ናይ ዘበነ ፊዳሊዝም (Feudalism System) መስፍንነት ስርዓት ዝተሓልፈሉ እዋን እዩ ዝኣቱ። እዚ ከኣ ሕብረተሰብ እዚ ከባቢ ልክዕ ከምቶም ካልኦት ሕብረተሰብ ዓለምና ዝሓለፍዎ ግዜ፡ ክሕለፍ ስለዝነበሮ ተሓሊፉ። ኮነ ድማ፡ ሎሚ ክተርፍ ዘለዎ ኣበሃህላ እንተሃልዩ፡ ሃጸይ ሚነሊክ ከምዚ ገበረ፡ ራእሲ መንገሻ ደገመ፡ ሃይለስላሰ ቀተለ፡ ራእሲ ወልደንኪኤል ታኣሰረ፡ ኮታ መስፍንነት ብመንጽር ዘበናዊ ፖለቲካ ጭካነዩ፡ ጸረ ማዕርነት'ዩ፡ ዓሌታውነት'ዩ፡ ጊላን ጎይታን (Master and Servants) እዩ፡ ኢ-ዲሞክራሳዊ'ዩ ብሓፈሻ ድሕረት'ዩ። ኣብኡ ተሞርኪስካ ከኣ ፍጹም ኣይንበርን'ዩ። ምናልባት መወከሲ ክኸውን ይከኣል'ዩ። እንተኮነ ንኣወንታዊ ሸነኩ እንበር፡ ኣሉታዊ ሸነኩ ኣብ እንዳጓሓፍ'ዩ ክኣቱ ዘለዎ። ኣብታሪኽና፡ መስፍናውያን ወይ ደርባውያን ሕብረተሰብ ኣብ ካልኦት ሕብረተሰብ ዘውረዶ ሃስያ ከይረኣና ኣብ ገዛእ ርእስና እንታይ ኣደራዕ ኣውሪዱ ምግንዛብ ይከኣልዩ። ስለዝኮነ ካብዚ ኣብዚ ሓደገኛ ኣረኣእያታት ዝተሞርከሰ ጸቢብ ፖለቲካዊ ኣመላኻክታ ክንሕጸብ ክንጸሪ ይግባና። እቲ መልእክቲ ንኩልና'ዩ!


እቲ ካልኣይ ፍልስፍና ናይ ህዝባዊ ግንባር ኢዩ ኔሩ። ሓደ ብጦር ሰራዊት ህልቂትን ጭኮናን ኣጋጢምዎ ተሃንዲዱ ሕነ ክፈዲ ንሳሕል ዝወረደ ዜጋ፡ ተዓሊሙ ኣብ ውግእ ምስ ኣተወ፡ ሓደ ጦር እንተተማሪኹ ዝመሓር ኣይመስሎን ኢዩ ዝነበረ። እቲ ምንታይ ንሱ ቀታሊ ሰብ ኣረሜን ስለዝነበረ። መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ግን፡ ኖ...ዝተማረኸ ኣይቅተልን ኢዩ፡ ካብኡ ዝሓለፈ ውን ብኣሻሓት ዝቁጸር ምሩኽ ወተሃደር ኣብ ባህላዊ፡ ማእቶታውን፡ ማሕበራዉን ንጥፈታት ክሳተፍ ዝረኣየ ተጋዳላይ ኣብ መጀመርታስ ድንግርግር ክብሎ ግድን ኢዩ ዝነበረ። ቤንሻንጉል፡ ኦሮሞ፡ ትግራይ፡ ኣምሓራ፡ ዓፋር ወዘተ ከከም ቢሄሩ ብናይ ቋንቃ ኣዲኡ ልክዕ ከም ንጥፈታት 9 ቢሄራት ሃገርና፡ ዝተፈላለየ ምርኢት ዘርኤሉ ዝነበረ ህሞት ኢዩ ዝነበረ። ኣብ ሜዳስ ሜዳ ቃልሲ ንሓርነት፡ ብኣምሓሪኛ ዓው ኢልካ ይምደር ይዝረብ ይዝየም ነበረ (ስእሊ ቪድዮ ኣብ ታሕቲ ቁ.2 ተዓዘብ)። የግዳስ ነቲ ናይ ሽዑ ኩነታት ዘየስተዋዕልሉ ኣብ ወጻኢ ዝቅመጡ መራሕቲ ህግ ነበር ሕጂ ተረዲእዎም፡ ኢሰያስ እኳ ምናልባት ንኢትዮጵያ ናይ ምምራሕ ጥሙሕ ክውልዎ ይክእልዩ፡ እዚ ንሪኦ ዘለና ጉዳይ ናብኡ እዩ ዘብል ዘሎ ክብሉ ሰሚዕናዮም ኢና።


እንበኣር፡ እቲ ስነሓሳብ ህግ ዝበሃል፡ ዓሌት ከይፈለኻ፡ ሃይማኖት ከም መፈላለዪ ከይ ሓሰብካ፡ ቋንቃ መመኽነይታ ከይገበርካ፡ ኣብ ሕነ ምፍዳይ ዝተሞርከሰ ቃልሲ ወጊድ ኢልካ፡ ብዝከኣለካ ኣብ ምክእኣልን ምጽዉዋርን ዝተሞርከሰ ምዕሩይነት ሕብረተሰባት ኣረጋጊጽካ፡ ብህሉው ጂኦግራፊካዊ ኣቃዉማ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጥራይ ከይ ተሓጸርካ፡ ኣብ መላእ ዞባና ሓርነትን ምዕባለን ምንጋስ'ዩ ዝብል ዝነበረ፡ (Melting Pot)።

ኣብኡ ተሞርኪስካ ድማ ናጻ ፖለቲካዊ መስመር ዝተሞርከሰ ስርዓታት፡ ኣብ ርእሰ-ምርኮሳ ዝተሰረተ ቁጠባዊን ማሕበራዊ ፍትሒ ምርግጋጽ'ዩ ዝንበረ። ምኽኒያቱ፡ ዓሌትን ሃይማኖትን ኣምር ዲሞክራስን ኣገዳስነት የብሎምን ማለት ኣይኮነን፡ እንታይ ደኣ ከም ቀንዲ መሳርሒ ምዕራባዉያን ኣብ ኣፍሪቃ ዝተመልካ መሳሪሒታት ስለዝነበራን ዘለዋን ግን ብሓደ ድምጺ ወጊድ ምባለን ኣገዳሲ ስለዝነበረ ጥራይ'ዩ።


እቲ ዝገርም መብዛሕታኦም መራሕቲ ህግ ኣብ ቻይና በብእዋኑ ከይዶም ወተሃደራዉን ፒለቲካውን ትምህርቲ ቀሲሞም ክንሶም፡ ብስርዓት ዴስነት ማርክስነትን ለኒንን ብዙሕ ጽልዋት ኣይኮኑን። በንጻሩ ኣብ ሓራ ፖለቲካዊ መስመር ኣለዉ ኢላና ክንድምድም ንክእል። በንጻሩ ነቶም ኮፍ ኣቢሎም ኣብመፈለምታ ቃልሲ ሰባዓታት ዝተማህርዎ ዝመሃርዎም መራሕቲ ማለሊት ግን፡ በቲ ስነሓሳብ ቀልጢፎም ተጠቂዖም፡ ክሳብ ሕብሪ ባንዴርኦም ቀዪሕን ቢጫን ቀቢኦም፡ ነዛ ኩላ በዓል ጫጓር ዳንጋ ወያናይ ጅግና ሒዞማ ይጋደሉ ኔሮም። ጸንሖም ዝቀየርዎ መርገጺ ግን፡ እታ ማለሊት ትብል ስም ነቶም ኣብ ሆቴል ሂልተን ብሓገዝ CIA ዝቀልዕዎም ብጾቶም ነበር ከም ሲየ ኣብራሃ፡ ኣለምሰገድ፡ ተወልደ፡ ገብሩ፡ ሸሊሞም ናብ ሓዲሽ ስድራቤታዊ ቁጠባዊ ስርዓት (American Capitalism) ኣብ ምስግጋርን ምጉልባትን ተጸሚዶም። ትእመት ሓደ ካብኡ'ዩ፡ ኣብዝሓለፈ ጽሑፍና ንኣቃውምኡ ዝምልከት ርኢና ኔርና።


ብዝኮነ ብህግ ዝምራሕ ፍልስፍና ካብ ሜዳ ጀሚሩዩ እንዳ ጸረየ ክመጽእ ጸኒሑ። ብናቱ ቁጽጽር ድማ ነቲ ኣዓዋቲ ፍልስፍና ዝተወደባ ውድባት ኔረን እየን። ኣብዚ ፍልስፋና ኣለዋ እናተባህለ፡ ጽገዕተኘትን ምጽወታን ኣሜን ኢለን ብስቱር ዝተቀበላ ውድባት ድማ ኣብ ግጭት ምስ ህግ ኣትየን እየን። እቲ ዝገርም ግን ምስ ከም ህውሓት ዝበሃላ ውድባት ዘምጽእኦ ጽግዕተኛ ውይ ሻራዊ ስነሓሳብ ዝደናገጹ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ውን ከይተረፈ ኔሩ ይከውን እዩ ዝብል ጥርጣሬታት ኣለኒ(ጸሓፊ)። ምኽንያቱ ሓደ ናይቲ ኣብ 2002-4 ዝተራእየ ፖለቲካዊ ምምቃል ኣብ ኤርትራ ውን መበገሲ ክከውን ይኽእል'ዩ። ምናልባት ውን እቲ ምድንጋጽ ኣብ ጌጋ እምነትን ዝንቡዕ ሓበሬታን ዝተሞርከሰ ክከውን ይኽእልዩ። ናይዚ መረጋገጺ ሓደ ካብቶም ኣባላት ዝነበረ መስፍን ሓጎስ ኣብዚ ቀረባ እዋን ምስ ብዙሓት ሪድዮታት ወጻኢ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት ከምዚ ክብል ሰሚዕናዮ ኢና፡

"ንሕና ንስርዓት ኢሰያስ ንምእላይ ምስ ወያነ ክንሰርሕ ፈቲና ኢና፡ እንተኮነ ወያነ ሓደ ድኩም ህዝብን ድኹም መንግስትን ኣብ ኤርትራ ክህሉ እዮም ከም ስትራተጂ ኣይሰላም ኣይኪናት ተኺሎም ዝሰርሑ ኔሮም"

ክብል ሰሚዕናዮ ኢና። ብዝኮነ ግን መስፍን ሓጎስ ይኩን ካልኦት መሰልቱ ኣብ ኣዋሳን ደብረዘይትን ክረኣዩ ምብቅዖም በቲ ኣታላሊ ፖለቲካዉ ፍልስፍና ማለሊት ተጠቂዖም ምንባሮም የነጽረልካ።

ናብ ኤርትራ ዝተጓዕዘ ሰብ፡ ምናልባት ደረጃ ንቕሓትን ሓድሕድ ምክብባርን ዉህደት ሕብረትሰብና ተዓዚቡ ይከውን'ዩ፡ ብዙሕ ግዜ ብዓሌት ሃይማኖት ካልእ ደርባዊ ኣተሓሳስባ ዝጸረየ ኢዩ። ኣብ ደገ ዝነብር ገለ ክፋል ህዝብና፡ ጎረባብትና፡ ዞባና ግን ዓቢ ስራሕ ዘድልዮ፡ ናብቲ ዶው ዘይብል ምዕባለ/ገስጋስ ክንበጽሕ፡ እዚ ኣተሓሳስባታት ክዕረ ኣለዎ። ተሓጺቡ ክጸሪ ኣለዎ።

ዋላ ውን ብሸነኽና ናይ ድኽመት ኣተሓሳስባታትን ይርአ'ዩ።

ንኣብነት፡ ኣብ ትግራይ ጻቕጣይ ፖለቲካዊ ባህሊ ደኣ'ዩ ዘሎ እንበር ጻቕጣይ ህዝቢ ኣይኮነን? ካብ ጥንቲ እንተሪኢካ ከምቲ ኣቀዲሙ ዝተገልጸ፡ ሓያል ደርባዊ መስፍናዊ መግዛእቲ ንኩሉ ጨኮኒ ነበረ! ብዛዕባ መሳፍንቲ ትግራይ ኣብ መሬት ኤርትራ ዝዘመትዎ ንዝክር እንተሃሊና፡ ኣብ ትግራይ ውን ከምኡ ኢዮም ኔሮም። ሜስ ኣብ እንዳ ሽሞኛ ጥራይ ዝስተየሉ ዝነበረ ግዜ እኳ'ዩ ኔሩ። ደጋዝማች ሞይቱ ተባሂሉ፡ ኣገልጋሊቱ ብሂወታ ምስኡ ትቅበረሉ ዝነበረ መሪር እዋን ክሳብዚ ቀረባ እዋን ስርዓት ደርጊ ክሳብ ዘፍርሶ እኳዩ ኔሩ። ህውሓት እዋን እቲ ናይ ደርባውያን ጭኮና ይርደኣ ስለዝነበረ ካብ መፈለምትኡ ኣወጊዳቶ ኢያ ኔራ።


እንተኮነ፡ ነቲ ስም መስፍንነት ኣወጊዳ፡ ነቲ ጻቕጣይ ባህሊ ተላቢሳ ወሪሳ፡ ንወዲ ኣዳም ብሂወቱ ሓመድ ኣልቢሳ። ምዕባለ ጸጥታን መርበብን ወሲካ ከኣ ዝከፍአ ብርሰት ፈጢራ፡ ሶፍትወየር ዘይብሉ ሕብረተሰብ ፈጢራ፡ ኣራጢጣ ከኣ ኮፍ ኢላ።

መምሃራን ፖለቲካ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዝኣክሉ ብዓሌት ክዛረቡ ዘየሐንኽ ኣይኮነን! ሎምስ መን ወዲ መን ጭዋ ኔሩ፡ መንከ ባርያ ኔሩ ኢልካ እንተተሓቲትካ እቲ ዓሻ ክምልስ ይክእል፡ እቲ ዘስተዉዕል ለባም ግን፡ ወለዶ ሕብረተሰብ ከም ሓረግ እናተጠናነገ ደኣ ይመጽእ እንበር፡ ትኽ ኢልካ ናይ ምምጻእ ፈጺሙ ባህርያት የብሉን። ብካልእ ወገን ውን፡ ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመት ዝፈረዩ ካድራት ኣብ ዝተሓላለኸን ተገላባጥን ማለሊታዊ ስነሓሳብ ተሞርኪሶም ነዚ ዘሎ ኣወንታዊ ኩነታት ዝህዉጹ ዘለዉ እወን ሓደ ካብቲ ፍርያት ሕማቅ ዘበን እዮም።


ንዝተረፈ ክፋል ኢትዮጵያ ምህዋክ፡ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዘለካ ስልታዊ ርክብ ድማ ምሕያል ኣብ ዝብል መርገጺ ረጊጾም ዝሰርሑ ዘለዉ ነቲ ዝነበረ ስራሕ ከም ምዉራስ እዮም ዝወስድዎ። ንኣብነት ናይዞም ኣብዚ ሊንክ Link Ref. 03** ዘሎ ቃለምልልስ ናይዞም ሰለስተ ካድራት ማለሊት፡ ራባዓዮም ዘዛራርቦም ዘሎ ጋዜጠኛ እቲ ዕሸላዊ ስነሓሳቦምን ዘከትልዎ ዘለዉ ማሕበራዊ ዕንወትን ጽቡቕ ጌርካ ክትግንዘቦ ኣየጸግመካን።


ብዝኮነ፡ ብሕጂ ዝውለድ መሪሒነት ካብዚ ፖለቲካዊ ባህሊ ተባዕ ውሳነ ወሲዱ ተናጊፉ፡ ሓዲሽ ኣወንታዊን ሳይነሳውን መሪሒነት ክተክል ምኽርና ንልግስ።

ርኢቶኩም ኣውርዱ፡ ሓሳብና ክንህበሉ።

ዝቅጽል ጽሑፍና ብዛዕባ፡

2. ፖለቲካ ኢትዮጵያን ዞባናን፡ ራኢ ቀርኒ ኣፍሪቃ!

ዓወትንሓፋሽ NationalEr Interest


27 views0 comments

Recent Posts

See All
bottom of page