top of page
  • Writer's pictureNationalEr Interest

እንታይ ኣሎ! Entay Alo! ቁ.02 #ፖለቲካ ኢትዮጵያ>>>(ተሰራዕ ተማዓራረ!/TeSeRae TeMaRaRe!) A Weekly Updating & Analysis

Published by NationalEr Interest on Facebook, October 03, 2018


ዝከበርኩም ተኸታተልቲ መደብና፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ሕጽቦ ኣብትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ንክልተ ተጻረርቲ ስነሓሳብ እዚ ከባቢ ኣወንታውን ኣሉታውን ሸነካቶም፡ ዘምጽእዎ ዕንወትን ተስፋን ገምጊምና፡ መደምደምታ ጌርናሉ ኔርና። ብመሰረት መብጻዓና ኣብ ግዜና ክነቕርብ ኣኳ ንሽገር እንተለና፡ ብዝኮነ ግን ከም መጠን ሰፋሕቲ ናይ መጻኢ መደባትና፡ ብቀጻሊ እንዳተዓረናን ኣብ መስመርና እንዳ ኣተናን ክንከይድ ኢና እሞ፡ ነቶም ብቀጻሊ ብውሽጣዊ መስመር ደሃይናን መደባትናን ትሓቱ ዘለኩም፡ ተሳትፎኩም ኣይፈለየና፡ ሓቢርና ዓቢ ስራሕ ንሰርሓሉ ግዜ ይመጽእ ኣሎ፡ ንሕና ውን ስራሕና ብኣገባብ ሒዝና ክንሰርሕ ክንጽዕር ኢና እንዳበልና ስክፍ ኣይበልኩም መጻኢና ብሩህን ቀጻልን'ዩ ክንብል ንፈቱ።


እቲ ኣርእስታት ከም ወትሩ ንስኩም ሓሳብኩም ክትህብሉ ኣቀዲምና ብምዝርጋሕ ክፉት ክንገብሮ ኢና። እቲ ዝድለ ዘሎ ሃናጽን ብሱልን ሚዛናዉን ኣወንታዊ ርእየት/ርዲኢት ምህላው ክሳብ ዝኮነ፡ ንዘለኩም ሓሳባት ውን ኣብ ርእሲ ኣብዚ ትህብዎ ርኢቶ፡ ብውሽጣዊ መስመር ስደዱልና፡ ንሕና ውን ነቲ ኣርእስቲ ኣሃፍቲምና ከነቅርበልኩም ክንሰርሕ ኢና። ንዞባዊ ወይ ኣህጉራዊ ጉዳያት ዝምልከት ኣርእስታት ምስ ዝከዉን ኩሉ ዝምልከቶ ክሳተፍ ክፉት'ዩ። እንበኣር ናብቲ ካልኣይ .02 ኣርእስትና ክንወስደኩም፡ ብሓፈሻ ግን፡--


•••••••••••••••••ቀንዲ ኣርእስታትና•••••••••••••••••••••

  1. ሕጽቦ፡ ዉግእ ክልተ ተጻረርቲ ስነሓሳብ ኣብ ምዕራፉ!

  2. ፖለቲካ ኢትዮጵያን ዞባናን፡ ራኢ ቀርኒ ኣፍሪቃ!

  3. ብዛዕባ እታ መጽሓፍ "ሃገረይ"

  4. ስግረዶብ ከም ስትራተጂን ሃዳምነትን፡ 4ይ ዞባ መኸተ ወሳኒ ኣብ ምዕዋት ስትራተጂ መንግስቲ ኤርትራን ሓላፍነቱን!

  5. ፖለቲካ ኤርትራ ቁ.2፡ ናይ ዉዳበ ዓንኬላት መንእሰያት ኤርትራ እንታይ ይመስል.(ተኸታታሊ ጽሑፍ).

  6. ስልጣን፡ ተሞኩሮ መንእሰይን ስነጥበበኛን ኡጋንዳዊ ቦቢ ዋይን በዓል ኣረጊት ፖለቲካ!

  7. ደጋጊመ ደጋጊመ ብዛዕባ እገዳ ይዛረብ ኣለኹ!

  8. ዓድሃሎ፡ ዞባታት መኸተን ልምዓትን.

  9. ኣዋጅ ሃገራዊ መደብ፡ እቲ ናይ መጻኢ ቃልሲ፡ ብዕዮ-ገዛኻ ምስራሕ ይጅምር!

"ተሰራዕ ተመዓራረ፡ Rights but Limited! Duty but Obligatory!" ባህሊ ሰዉራ ኤርትራን ሳዋን ካብ ዘተኣታትዎ፡ ኣብ ሓደ ህዝቢ መንፈስ ውህደትን ምክእኣልን ዘተኣታቱ ኣምር ኮይኑ፡ ኣብ መደብና ከም ንኡስ ኣርእስቲ ከነተኣታትዎ ጀሚርና።


ሳዋ፡ (Manmade Best Rehab)፡ ዲስፕሊን፡ ትብዓት፡ ማሕበራዊ ቁጠባዊ ፖለዪካዊ ክብርታት፡ ሃገራዊ ክብርታት፡ ርእሰምትእምማን፡ ድምር ኩሉ ዘይብተኽ ሰንሰለት ኤርትራውነት ንዘመስርሓትልና ሰብ-ሰርሖ ኢንዱስትሪ መመስርሒ ብሉጽ ዜጋ፡ ነማዕብላ፡ ዘበናዊት ስፍራ ንቐይራ፡ ተውጽእ እንበር ኣይተእቱንያ ዘላ፡ በቲ ኣምጺእናዮ ዘለና ፍልቀተ ትኣምር ሓሳብ ንኡሰይ ኣማዕብል፡ ንክፈላ፡ ክትከፍለና ክትነብር።


ተወሳኺ ብዛዕባ እንቀርቦ ጽሑፍ፡ እዚ ገጽ ከም ዘይመንግስታዊ ኣካል ምኳኑ መጠን፡ ንዝኮነ በዓል መዚ ወይ መንግስታውያን ትካላት ወይ ውልቀሰባት ዝውክል ኣይኮነን። ነቅርቦ ትንተና ወልቃዊ (ባዕላዊ) ምኳኑ ውን ክንሕብር ንፈቱ። ሓበሬታ ንጹር እሙንን ንምግባር ግን ብዝከኣለና፡ መጽናዕታውን፡ መወከስን ከምዘለዎ ክንገብሮ ንጽዕር፡ ዘለኩም ሃናጺ ሓሳብን ነቔፊታን ድማ ኣቀዲምና ነመስግን።


2. ፖለቲካ ኢትዮጵያን ዞባናን፡ ራኢ ቀርኒ ኣፍሪቃ!


ብኡዋናዊ ጉዳያት እንተጀመርና እንታይ ኣለዎ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዳርጋ ብምልኦም ኣለዉ ዝበሃሉ ፖለዪካዊያን ሓይልታት፡ እንትርፎ ገለ ውሑዳት ብወለንትኦም ክኣትዉ ዘይከኣሉን፡ ብመትከል ዝተኸልከሉ ከም ኣባላት ቀይ-ሽብር ነበርን፡ ካልእ ብምልኦም ሰላማዊ ፖለዪካዊ ቃልሶም ከካይዱ ኢትዮጵያ ኣትዮም ኣለዉ። እዚ ማለት ዋላ ነቶም ዝሓየለ ክፋል ሸነኽ ተቃዉሞ ህዝብታት ኢትዮጵያ ዓቢ ጽልዋ ዝነበሮም ከም ኦነግን፡ ግንቦት7 ካልኦት ኣብ ኤርትራ ዓስኪሮም ዝነበሩ ሓይልታት ወሲኽካ ማለት'ዩ።


ዋላ እኳ ከም ቀዲምና ዝረኣናዮ ፍልስፍና ናይቲ ዝነበረ ስርዓት ን20 ዓመታት ዘከተሎ ብቀሊሉ ክሓዊ ዘይክእል ከቢድ ማሕበራዊ ዕንወት ተከሲቱ እንተሎ፡ ብመሰረቱ ግን እዞም ዓሌትን ማሪታዊ መስፍንነትን ዶብ ዝገበሩ ህዝብታት ሓደ ተሪር ሃገራዊ መንነት ክሃንጹ ሰፊሕ ሲቪካዊ ትምህርቲ የድልዮም ኣሎ። ስለዝኮነ ከኣ እዞም ናይ ደገ ፖለቲካውያን ሓይልታት ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሃዋህዉ ክኣትዉ ምክኣሎም፡ ብቀጥታ ኣብቲ ዓሌት ወይ ካልእ ታሪኻዊ ድሕረባይታ መሰረት ዝገበረ ኣወዳድባ ርዒሞም ካልእ ጸጥታዊ ጸገማት ከይፈጥሩ ስግኣታት ኣሎ። ምኽንያቱ፡ ዜጋታትካን ደገፍትካን ኣራሲንካ ኣብ ሓዊ ምጥባስ ከም ዝለዓለ ፖለቲካዊ መጻወቲ ጥበብ ተወሲዱ ንሪኦ ስለዘለና።

እዚ ማለት ግን ብፍላይ እተን ኣብ ኤርትራ ዓስኪረን ዝነበራ ዉድባት ናይ ውልቀሰባት ዘይምኽኑይ መደረታት ገፊፍካ፡ ካብዚ ዓይነት ኣወዳድባ ብኸመይ እየን ንቀጻሊ ክጓዓዛ ጌና ኣይተፈልጠን ዘሎ። እዚ ብመንጽር እዚ ኣብዚ ቀረባ ማዓልታት ዝነበረ ጉባኤታት ኣባላት ዉድባት ኢህወደግ ማለት እዩ፡ ገምጋምናን ሓበሬታናን ብዛዕባ እዚ ዝነበረ ጉባኤ ኣብ ታሕቲ ክንዝርዝሮ ኢና። ብሓፈሻ ግን መንግስቲ ኤርትራ ይኹን ናይ ስነሓሳብ መላፍንቱ ሓዲሽ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ክብ ለጠቅ ፖለቲካዊ ምዕባለ ብኸመይ ይሕዝዎ ኣለዉ?


መቸም ነታ ኣብ ሓደ እዋን መቃልስትናን መሻርኽትናን ዝነበረት ህውሓት ዘኪርካ ደሓር ዘጋጠመ ኩነታት ኣብ ግምት ኣእቲካ፡ ካልእ ዝኮነ ፖለቱካዊ ሓይሊ ኢትዮጵያ ከም ህዝቢ ኤርትራ ክንኣምን ኢልካ ምሕሳብ የዋህነት ጥራ'ዩ። እዚ ክንብል ከለና ኢትዮጵያውያን ጌና ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዝተንከፍናዮ ዘይሞራላዊ ኣተሓሳስባታት ክሳብ ፈጺሞም ዝወጽኡ ማለት'ዩ። ስለዝኮነ ከም መረዳእታይ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብዚ ብቀጥታ ዝጸልወና ፖለቲካዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ከም ተሓዚ በዓል ክልተ ቦኽራ ሚዛን እዩ ዘሎ። ኣብቲ ሓደ ቦኽራ፡ ነቶም ናብዚ መድረኽ ምስኡ ኮይኖም መሪሾም ዝበጽሑ ተቃወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ከቀምጦም ከሎ፡ ንብሓፈሻ ኣብ ገዛኢ ፓርቲ ኢህወደግ ዝጥርነፋ ዉድባት ድማ ኣብቲ ሓደ ቦኽራ ኣማዓሪርወን ኣሎ። ኣብ ጉዳይ ህውሓት ውን ካብ ዘይትፈልጦ መልኣኽሲ ትፈልጦ ሸይጣን ዝዓይነቱ መርገጺ ክህሉ ንቡርዩ ንጽበዮ ድማዩ።

እቲ ናይዚ ምኽንያት ዛዕባታት ብዙሕ'ዩ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተራእየ ህዝባዊ ወይ ቢሄራዊ ግጭታት፡ ዶ/ር ኣቢየ "ብድሕሪት ኮይኖም ክፋእ ዘካዉሱ ዘይንፈልጦም ሓይልታት ኣለዉ"፡ ዝበሎም መን ምኳኖም ንሕና ንባህሪያቶም ከም ከብዲ ኢድና ንፈልጦም ኢና። ድሕሪ ጉጅለ ለማ መገርሳ ርእሳ ኣምሪሓ ብዉሁድ ስራሕ ናይ ውሽጥን ደገን ስርሒት ኣብ ስልጣን ምምጽኣ፡ ደድሕቲኦም ርእሶም ኣቅኒዖም ክቀንዕም ዝሓለሙ ኣብ ሰረተ መስፍንነት (Feudalism Doctrine) ዝእምነቶም ሓይልታት ከምዘለዉ ኣብ ግምት ምእታዉ ናይ ለባማትዩ። ብኸመይ?

እዚ ሰረተ እምነት መስፍናውነት ኣብ ደርባውያን ገዛእቲ ነበር ኣምሓራ ዝተሞርከሰ ምንቅስቃስ ሎሚ ንከመዛዝን ዝክእል ሰብ ኣዝዩ ኣገራምን ኣስጋእን ክከውን ንቡርዩ። "ደቁሶም ኣይፈልጦን ኣዮም"! ብሓፈሻ ኣብ ሜድያን ቁጠባን ብፍላይ ሜድያ ዘለዎም ጽልዋ ምውድዳር ይከኣልዩ። ዓሰርታት ፕሮግራም ኣምሓሪኛ ዝፍንዋ ተለቪዥናት ገዲፍካ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዉን እንታይ ጽልዋ ኣለወን፡ ነቲ ከም ኣድጊ እንተነኺሱ ብፍርሒ ዘይፍኑ ሻዕቢያ ክብል ዝነብር ዘሎ ማለሊታዊ ካድረ ምዝኽኻር የድሊ።


ገለ ኣብነት ብኣምሓሪኛ ፕሮግራም ዝፍነዋ ተለቪዥናት፡ Ref.01**

መንግስታዉያን 1. ንሰለስቲአን ETV ገዲፍካ (እታ ሓንቲ ወግዓዊት ሃገራዊት ተለቪዢን ንገዛእ ርእሳ 6ክፍልታት ኣለዋ) 2. Amhara TV 3. Addis TV 4. Debub TV 5. Dire TV 6. OBN 27 7. Gambela TV


ዘይመንግስታውያን ተሌቪዥናት 1. KANA TV 2. LTV Ethiopia 3. EBS TV 4. ENN TV 5. JTV Ethiopia 6. Nahoo TV 7. Walta TV 8. Fana TV 9. Aleph TV 10. ARTS 11. Afrihealth TV


ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክቱር ዕብለላ ዘለዋ ተሌቭዝን ውን ኣላ፡ ESAT. ከም Mereja, Drie Tube, Tewnet.com, Ethiopian DJ, ወዘተ ኣዲአን ትቁጸረን ገጻት ማሕበዊ መራኽቢ ዘለወን ጽልዋ ውን ምግንዛብ ይከኣል'ዩ። Ref: 02**


ሓደ ኣጋጣሚ ነኣብነት፡ ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ኣብዝገብረሉ ዝነበረ እዋን፡ Ethiopian DJ ዝተሰምየ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰዓብቲ ዘለዎ ናይ ፈይስቡክ መርበብ፡ ፍኑው ፕሮፖጋንዳዊ ዘመተ ኣብርእሲ ወያነ ብምግባር ዉሩይ ስም ዝነበሮ ተመሊሱ "ፕረዚደንት ኢሰያስ ስለምንታይዩ ኣምሓሪኛ ዘይዛረብ ወይውን ክዛረብ ዘይደሊ?፡ እዚ ሰብ ብዉሽጡ ጽልኢ ኣምሓሩ ከይሃለዎ ኣይተርፍንዩ ክብል ምስ ጸሓፈ" ንዘየራሰኖ ተዛራቢ ኣምሓሪኛ ኣይነበረን፡ እሞ ኣይፈለጥኩን እምበር፡ ንሱን ወዲ ከምኡን ንፕረዚደንት ኣብቲ ናይ ሚለኒም ኣዳራሽ ብኣምሓሪኛ መደረ ከስምዕ ደሪኽዎ ክኸወን ይኽእል።


እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ፡ 24 ናይ ሃይማኖት ቻነላት ብቛንቃ ኣምሓሪኛ ዝፍንዋ ከምዘለዋ እንተነገርናኩምከ ትስንብዱ'ዶ።

ካብዚ KANA TV ን34% መጠን ሸፈነ ዕዳጋ ክህልዎ ከሎ፡ EBC/ETV 18%, EBS TV 16%, ከምኡ ውን JTV Ethiopia 10% መጠን ሸፈነ ኣለዎን።


ናይ ትግሪኛ ፕሮግራም ዝፍነዋ'ከ ምስንዕዘብ:

ዘይመንግስታውያን 1. DW TV (ድምጺ ወያነ) 2. Tigrai Media House (TMH TV) ኣብ መስርሕያ ዘላ


ኣብ ኤርትራ ሃገርና ድማ ምስ ንርኢ፡

መንግስታዉያን 1. Eri TV (ብ4 ቛንቃ ትግሪኛ፡ ትግረ፡ ዓረብ፡ ከምኡ ውን ኢንግሊዘኛ).


በዚ ኣጋጣሚ ሓንቲ ተለቪዥን ክትውንን ዝከኣልካ ህዝቢ ኤርትራ እንታይ እዩ እቲ ጸገም? እዚኣ ፕሮግራም ከም መጠን ናይ ሃገር (National TV Station) ብፖሊስታት ተመሪሓ ልኡም ኣገልግሎት ክትህብ ዘገድዳ ኩነታት ኣሎ፡ ባህልን ልምድን ህዝባዊ ግንባር ኣብ ጉዳይ ሓበሬታ ወሲኽካ ድማ ዘይዕግበትካ ክትገልጽ ንቡርዩ። ከይትሰፍሕ፡ ኩለን ቋንቃታት ርእሰን ኪኢለን ብሓደ ፖሊስን ፕሮግራምን ተጠሚረን ክሳብ 4ቻነላት ከይኮና ከኣ ጉዳይ ባጅት ኣብ ቅድሚት ይመጻእ። ወዲ ስዉእ ን3ወርሒ 500 ናቕፋ እንዳተመወለስ ንወረን በለካን ለኽዓካንዶ ከነዉፍር። ብዝተረፈ ዉን ጌና ካልኦት ዝተረፋ ቢሂራትና ኣገልግሎት ተሌቭዢን ዘይረከባ ከምዘለዋ ምግንዛብ ኣገዳሲዩ።

ብወልቂ ወይ ብብሕቲ'ከ?

ብዙሓት ካባኩም ሕጊ ፕረስ፡ መንግስቲ ኤርትራ ከልኪልና ወዘተ ዝብል ፎኪስ ዕባራ ምኽኒት ከምተቅርቡ ርዱእዩ። ኣብ ኤርትራስ ጸበበካ፡ ኣብዚ ካልእ ገፊሕ ዓለም'ከ ብከመይ ደኣ ተጨቢጥካ? ሓንቲ ተለቪዥን ከባድ ኣይኮነን፡ ኣተሓሳስባን ጥበብን እንተዘይሃልዩ ግን ክንዲ እንባያ።

ብሓፈሻ እቲ ዘሎ ዘይምዕሩይን ሻራዉን ናይ ሜድያታት ኣጽዋር ርኢናዮ ኣለና፡ ከም በዓል ቃና KANA TV ቀደም ኣብ ኣብ ገዛና ኣትዩ፡ ኣምሓሪኛ ኣይንማሃርን ኢና ኢልካ ኣብ ፈቀዶ ኣንጎሎ ወጠጥ ትብል ከምዘይነበርካ፡ ትርሸን ኔርካ፡ ሎሚ ኣ'ኣብ ገዛካ ብስነ-ስርዓት ትማሃር። ይተዓጾ ወይ ከኣ ሰባት ከይከታተልዎ ምምዓድ ኣይኮነን እቲ ጽሑፍ። እንታይ ደኣ እዞም ሰባት ብመንጽር ዓወት ንዕላምኦም ንፉዓትዮም፡ ስለዚ ክትወዳደሮም ብጥበብን ዓቅምን ክትሓልፎም ምጽዓርዩ እቲ ምስጢር ህላወ ኣብዛ ዓለም።


ብካልእ ወገን ወን ንርሑቅ ጠሚትካ ኣብ ታሕቲ ደኣ ክንገልጾ ኢና እንበር፡ ኤርትራ፡ ሶማል፡ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን ከምኡ ወን ጂቡቲ ሓደ ቁጠባውን ጸጥታዊን ዞባ ምምስራተን ዘይትውርፍ እዩ። ካብዚ እቲ ኣብ ኣፍሪቃ እንኮ ቋንቃ ምስ ጽሑፋቱ (Written Language)፡ እንተሎ ኣብ ግእዝ ፌደላት ዝሙርኮሱ ቋንቃታት ትግረ፡ ትግሪኛ፡ ኣምሓሪኛ እዮም። ካብዚኦም ንመጻኢ ከም ወግዓዊ ቋንቃ ዞባና ኮይኑ ከገልግል ንተመራመርቲ ቋንቃታት ዝግደፍ እኳ እንተኮነ፡ ባህልካን ቋንቃካን ንምምዕባል ምስራሕን ዘይምስራሕን ግን ዳርጋ ኣብ ሞንጎ ምህላውን ዘይምህላዉን ምኳኑ፡ ሓንቲ "Culture Matter, Why Always West not East" ትብል መጽናዕታዊት መጽሓፍ ጽቡቕ ጌራያ ትገልጾ። ምዕራባውያን ኣቀዲሞም ግዝኣት ቋንቃ እንግሊዝ ብምምራቶም ሎሚ እንታይ ኣሎ ቦትኦም ምግንዛብ ኣገዳሲዩ። ካብኡ ናብኡ፡ ቋንቃ እንግሊዝ ዝተዳቀለ መቦቆሉ ቋንቃታት ፍሬንችን ላቲንን ብምኳኑ፡ ፈረንሳውያን ሕኒን እዮም ዝብሉ። ኤውራጳዊ ሕብረት መስሪቶም ግን ብዉሑዳ ወግዓዊ ቋንቃ እቲ ዞባ ጌሮም ገለ ባህላዊ ረብሓታት ክረኽብሉ ክኢሎም፡ ጀርመናውያን ከኣ ቁጠባዊ ረብሓታት ኣለዎም።


ቋንቃ እንግሊዝ ዝዓብለለ፡ ኣብ ስነፍልጠትን ጥበባትን ስለዝሓየለ ዉን እዩ። ሃገራዊ ወግዓዊ ይኩን ከባቢያዊ ቋንቃናን ከመዐቢ ክንሰርሕ ደኣዩ ዘለና እምበር ቶንኮል ክንኣልም፡ ካልእ ኪናት ክንከፍት ኣይኮነን። ሳይነሳዊ ቋንቃታት (Scientific Languages) ብመበቆላውያን ቋንቃ ከነማዕብሎም ኣለና። ምናልባት ሓደ ካብቲ ናይ ሻዕብያ ኣተሓሳስባታት ኣብ ደምና ክኣትወና ዝከኣለ፡ ኣብ ግዜ ሰዉራ ወተሃደራዉን ፖለቲካውን ክብርታት ጥራይ ዘይኮኑ ማዕቢሎምሲ፡ እቲ ዝገርም ኣብ ባህላውም ማሕበራዉን መድረኻት ውን መሰረት ተጌሩዩ። እታ ብረት ካላሽን ብትግሪኛ ኣብ ሳዋ (ኣንጣሪ ጥይት፡ መኽደን ቦኽራ፡ ኣፈሙዝ ወዘተ) እንዳበልና ዝተማሃርናዮዶ ንዝክሮ? ብዝኮነ ንስራሕ!


ኣብ መርገጺታት ኣባላት ህዉሓት ምስ ንመጽእ ድማ፡ ብሓፈሻ ኣብ ክልተ ተመቂሎም ኣለዉ። ነዚ ኣብ ላዕሊ ኣብ ግምት ኣእቲዮም ዝከፍአ ቅድሚ 27ዓመት ብሓባር ዝሰዓርናዮ ስነሓሳብ ዕብለልኡን ምንቅስቃሱን ዝተዓዘቡ፡ ንህውሓት ምስ ኤርትራ ዝምድንኣ ዝገበረት ጌራ ከተዐሪ ዝጸቅጡ ጉጅለን፡ እቶም ካልኦት ድማ ብሰንኪ ጎደሎ ከመዛዝን ዘይክእል ኣተሓሳስባታት ዝተወሩ፡ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ነካስ ፈራሕ ኣድጊ፡ ኢሰያስ ክብሉ ጸሓይ ዝዓርቦም፡ ብዓቢኡ ኣብ ቅርሕንትን ጽልእን ህዝቢ ኤርትራ ከይተረፈ ተሞርኪሶም ዝሰርሑ ወይ ናይ ቅድም ዕዮ ገዝኦም ዝቅጽሉ ማለሊታውያን ኣባላት መሪሕነትን ካድራትን ተባሂሎም ይፈላለዩ። እዞም ሰባት ግን መንእዮም እኳ ሽሕ ግዜ ንዘማሓድርወን መርበባት ምስ ጠቀስኩ መን ምኳኖም ክትፈልጥዎም ኢኩም፡ እንተኮነ ግን እቲ ዘሕዝን ብሰንኪ ጎዶሎ ኣተሓሳስብኦም ኮነ እምነቶም፡ ኣከባቢኦም ርኢዮም ከማዛዝኑ ዘይክእሉ ምኳኖም ዘይምዕሩይነት ከይፈጥሩ እሞ ነቶም ካልኦት ሓደገኛ መስፍናዊ ስረተእምነት ዘለዎም ጉጅለታት ባብ ከይፈጥርሎም ዘየሰክፍ ኣይኮነን።


ገለ ንኣብነት ካብቶም ፕሮፖጋንዳዊ ዘመትኦም ዘይቋረጹ፡ ስሚ ሓበሪታ (Toxic) እንዳማሃዙ፡ እምነት ኣብ ሞንጎ ህዝብን መንግስትን፡ ሓድሓድ ጎረባብቲ ህዝብታት ንከይተኣማመኑ ዝሰርሑ ዘለዉ፡ ንዕኦም ሰላም ሁከት ማለት ምኳኑ ዝርድኦም ሰባት ዘመሓድርወን መርበባትን ዉልቀሰባትን ምስ ንርኢ!


1. Tigrai Online 2. BBC Tigriyna (ብግርማይ ገብሩ ትመሓደር መደበር) 3. Martin Plaut (እዚ ጡዑይ Website ውን ዘይብሉ ናይ ማለሊት lobbyist ሓደ ካብቶም ኤርትራ ኢትዮጵያ ክሕወሳዶ ክስንጨራ እንዳበለ መርዛም ወረበላ ክዝርግህ ዝዉዕል ዘሎ እዩ። ስለምንታይ ሓደ ሞይኡ ቅጭኡዩ፡ በቲ ዓይነት ዓዉዲ ትምህርቱ ውን (Horn African Studies) እዩ ወዲኡ፡ ብኣና ሸቂጡ ክናበር እዩ ተመሪቁ, ከይተዓወተ ስለዝተረፈ ትምህርቱ ብግብሪ ክሰርሓሉ ስለዝፈሸለ ኣዝዩ'ዩ ዝጉሂ!) ንገለ ካብ ትፍኡ ኣብዙ ሊንክ ኣቲና ክንርኢ ንክእል፡ Ref: 03** 4. Zehabesha ዝበሃል ዕላምኡ ዘይንጹር ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ሰዓብቲ ዘለዎ ናይ ፈይስቡክ ገጽ፡ Ref፡ 04** 5.ካልኦት ዝተፈላለዩ፡ ብመጽናዕቲ ዝተረጋገጹ መደበሮም ፍሉጣት ዝኮኑ ጉጅለታትን ወልቀሰባትን ውን ከም ኤርትራውያን ተመሲሎም ልብና መሊእና ዉራይ ሃገርና ከይንገብር፡ ከይንሓትት፡ ከይንነቅፍ፡ ዝዕረ ከይነዐሪ፡ ጸጸር ኣብ መግቢ ኮይኖምና ዝህዉኩና ዘለዉ ንባዕሎም ውን ሓይሎም ኣብ ኮንቱ ዘዝርዉ ዘለዉ ፍጡራት ማለሊት እዮም።


ገምጋም ጉባኤታት ብመንጽር ምዕባሌታት ፖለቲካ ኢትዮጵያ


ኩለን ዉድባት ኣባላት ኢህወደግ ኣኬባ ጌረን ኣለዋ። ናይ ህውሓት ዶ/ር ደብረጼን፡ ናይ ኦሮሞ OPD ዶ/ር ኣቢየ፡ ናይ ኣምሓራ ADP ኣቶ ደመቀ ሞኮንን፡ ናይ ደቡብ ህዝቦች ድማ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ተመሪጾም ኣለዉ። ሕጂ ድማ ናብ ናይ ኢህወደግ ጉባኤ ኣኬባ የካይዱ ኣለዉ። ሰለስቲአን ኣብ ኣቃዉምአንን ስመንን ኣርምአእን ምቅይያር ክገብራ እንከለዋ፡ በንጻሩ ኣብ ናይ ህውሓት ኣብዘላታ ተወሰኸታ ንሓላፊ ድህንነት ነበር ጌታቸው ኣሰፋው ኣብ ፈጻሚት ኮሚተ ኣምጺኦሞ ኣለዉ። በዚ ዝተቆጥዐ ኣክቲቪስት ጃዋር ማሕሙድ፡ ናብ መቀለ ከካይዶ ዝሓሰቦ ዑደት፡ ናይ ለዉጢ መንፈስ ኣይርእንየ ዘለኩ ብምባል፡ መደቡ ደው ኣቢልዎ።


ምናልባት ግን ምስዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ተርእዮታት እቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ ሸለል ዝበልዎ ኮይኑ ይስማዓካ። ንኣብነት፡ እዚ ኣብ ታሕቲ ስእሊ ትርኢዎ ዘለኩም ኣቦ ወምበር ቢሄራዊ ምንቅስቃስ ኣምሓራ ሕጂ ነዚ ጹሑፍ እንዳ ኣዳለኩ፡ ኣምሓራ ብደሙ ኢትዮጵያ ፈጢሩ፡ ኢትዮጵያ ኣምሓራይ ተሰዊኢላ ወዘተ ተረፈ ኣብ LTV ይብል ኣሎ። በንጻሩ ዶ/ር ኣቢየ ድማ ሎሚ ኣብ መክፈቲ ጉባኤ ኢህወደግ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ "ኢትዮጵያ ንወላሓደ ብፍሉይ ኣይትብጽሖን'ያ፡ ብማዕረ ናይ ኩልናያ" ክብል ጠቂሱ ኔሩ። ስለዚ እቲ ሰናርዮ በዚ ተረድእዎ፡ ት-ቶኻሉ ክትኣሊ፡ ኣ-ኣዛብ ምምጻእ ውን ኣሎ፡ እሞ ሚዛን'ያ እታ ፋታሕን፡ እቲ ፖሊሲ ዉን ክከወን ዘለዎ። ክሳብ መዓስ፡ ክሳብ ዝመሃሩ።

ብካልእ ወገን፡ ናይ ኣለም ገብረዋህድ ጉጅለታት፡ ነዘን መርዛም ወረታት ዝዝርግሓ ዘለዋ መርበባት ዘመሓድሩ ማለትዩ፡ ኣብ ምርጫ ጉባኤ ህውሓት ብገለ ወገናቶም ኣወኪሎም ኔሮም፡ እምተኮነ እንትርፎ ኣለምገብረዋህድን፡ ሓደ ናይ ሕጊ ፈሊጥየ ዝብል ውን ኣብ ማእከላይ ኮሚተ፡ ካልኦት ኣይተመርጹን። እቲ መስሓቅ ኣሉላ ሰሎምን ካድረ ትግራይ ሜድያ ሃዉዝ TMH TV ዝምስርት ዘሎ፡ ፖለቲካዊ ዕላምኡ ንጹር ኣይኮነን ኢላ ህውሓት ደርቢያቶ። ህዝቢ ትግራይ ናይ ጌታቸወ ገዲፍካ፡ ንሱ ዘይምምራጹ ካልእ ጽልኢዩ ዝተርፎም። ኣቦይ መስፍን ኣብ መዕጸዊ እቲ ኣኬባ፡ neo-liberalism ኢና ኢሉ፡ እንቋዕ እቶም ዕዱማት ዴሳዉያን ሰልፊ ቻይና ትግሪኛ ዝሰምዑ ኣይኮኑ።


ራኢ ቀርኒ ኣፍሪቃ


ታንዛንያ፡ ኡጋንዳ፡ ኬንያ። ሩዋንዳ፡ ብሩንዲ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ዝተመሳሰለ ዓይነት መልኮን ታሪኻዊ ድሕረባይታ ዘለዎም ኣህዛብ ኮይኖም፡ ኣብ ማሕበር ኮሚኒቲ ምብራቅ ኣፍሪቃ East Africa Community ይጥርነፉ። እዚ ምጥርናፍ፡ ናይ ሓብራ ቁጠባዊ ፖሊሲ፡ ሓባራዊ ጸጥታዊ ስራሕ፡ ነጻ ምንቅስቃስ፡ ፖለቲካዊ መደብ ድሕሪ 10ዓመት ብፈደረሽን ክቆማ፡ ካልእ ንጡፍ መደባትን ራእን ዕላማን ኣለወን። Ref: 04**. ስርዓተ ትምህርተን ውን ከይተረፈ ሓደ መቃን ኣቀሚጠን ይሰርሓ ኣለዋ።


ስለዚ ሃገር ሰስራሓያ ትገብር ዘላ፡ ኢጋድ'ዶ ካልእ ኣይሰርሕንዩ፡ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ሶማልያ፡ ከማኡ ዉን ጂቡቲ ብቅልጡፍ ኣብ ሓደ ነዊሕ ራኢ ዘለዎ ዞባዊ ምትሕብባርን ጥርናፈን ክምስርታ ኣለወን። እንተዘይኮይኑ፡ ምስ ምቅይያር ስርዓታት ኣን ሞንጎና ዝቅይደና ሕጊ ክሳብ ዘይሃለወ እቲ ናይ ወጻኢ ምትእትታውን፡ ኣህዛብና ቀሲኖም ከይነብሩ መዐንደሪ ዝህዉኩ ናይ ረብሓ ሓይልታትን ኬና ክንተርፍ ኢና። ሃየ፡ መንእሰያት ገገዛና ኣጽሪና፡ ንሓባራዊ ረብሓን ጸጥታን ንነዉሕ ዕላማ ጠሚትና ኣበርቲዕና ንስራሕ። ኣብ መክፈቲ ጉባኤ ህውሓት ናይ ዓረና ኣቶ ኣብራሃ ደስታ ዘስምዖ መደረ "ኣቱም ተጋደልቲ፡ ፈራሓትን ምስሉያትን ከይንከውንሲ፡ ከማኩም ጀጋኑ ክንከዉን፡ ግዶፉና ኣስሩሑና" ኢሉ ዝተዛረባ ናይዚ ዝሓለፈ ሰሙን ዓባይ ዘረባ ኮይና ሓሊፋ ኣላ። ስለዚ፡ ሃገርና ነጽሪ፡ ህዝብና ጸጽቡቁ ንምሃሮም፡ ኣብ ኣሉታዊ ነገር ሓይልና ኣይነጥፍእ፡ ንሰባት ሰባት ብምኳኖም ጥራይ ነክብር፡ ብሄር ኣይንፍለ፡ ሃይማኖት፡ ኣይንፍለ፡ ክብሪ ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ነክብር፡ ልኡላውነቶም ውን ነክብር፡ ፍልጠት ንደልብ፡ ንቅሓት ይስዓር፡ ኣብ መወዳእታኡ፡ ሰፊሕን ኩቡርን፡ ሰላም ዝዓሰሎ ጽቡቅ/ጥዑይ ሕብረተሰብ ዘለዎ ዞባ ሃሊና፡ ጸጥታናን ረብሓታትናን ኣብ ዓለም ከነረጋግጽ። መንእሰያት ኤርትራ ዛ'ሓበን ዉጽዓት! ዝብልዎ ዘለዉዩ። ነዚ ኩሉ ራኢ ድማ ንሕና መንእሰያት ብሓፈሻ ንቃለስ!


ናይ ሎሚ ወዲአ ኣለኩ!


ርኢቶኩም ኣውርዱ፡ ሓሳብና ክንህበሉ። ናብ ኩሉ ኣባጽሕ፡ ናይ ሓባር መረዳእታ ክምዕብል። ኩሉ ይኹን ብኸፊል ብዝደለኽሞ ቛንቃ ምትርጓም Credit ከይረሳዕካ ሰናይ ፍቃደይ'ዩ።


Ref፡ 02** https://www.socialbakers.com/…/facebo…/pages/total/ethiopia/ Social Media owned by Ethiopians


ዝቅጽል ጽሑፍና ብዛዕባ፡ 3. ብዛዕባ እታ መጽሓፍ "ሃገረይ"!

ዓወትንሓፋሽ

36 views0 comments

Recent Posts

See All
bottom of page