top of page
  • Writer's pictureNationalEr Interest

እንታይ ኣሎ! Entay Alo! >>>>>>>>>>>>>>>>>>>>ቀንዲ ኣርእስታት

  1. በረከት ስምኦን መን'ዩ?

  2. ዓሻስ ምዉት ይናፍቕ!

  3. ጀኔቫ፡ ጉዳይ ኤርትራን መጻኢኣን ጀኔቫ ከምዘይፈትሖ ቅድሚ 70 ዓመታት ኣብ 1952 ዝፈለጠ ህዝቢ፡ ሕጂ መን መራሕን ተመራሕን ኮይኑ ናብቲ ዘይሰምዕ ደብሪ ከምርሕ ይጸዓር ኣሎ? ኣዛብእ ቀትሪ!

  4. ንድሙ ጸወታኣስ ነንጭዋ ጻዕረ ሞታ፡ "ካድራት ህውሓት

ከምቲ ልሙድ ሰሙናዊ፡ ወትሩ ቀዳም ብዛዕባ ሓፈሻዊ ምዕባሌታት ዞባናን ሃገርናን ጽሙቕ ጽሙቕ ኣቢልና ከነቅርበልኩም ከምዝጀመርና ኣይትስሕትዎን። እሞ እንታይ ኣሎ እስከ!


1. በረከት ስምኦን መን'ዩ?

ንኣድጊ ዝገበረካ ጠይቂ ግበሮ! ኣምሓሩ ዝብልዎ ዘለዉዮ'ም። ነባራት ኣባላት በኣዴንን ኢህወደግን ኮይኖም ከበላሽዉ ዝጸንሑ፡ በረከት ስምኦንን ታደሰን ካብ መዝነቶም ተሰጊጎም። ናይቲ ታደሰ ገዲፍካ፡ ኣቶ በረከት ስምኦን ማለት የማናይ ኢድ ነብሲሄር መለስ ዜናዊ ከምዝነበረ ኩልና ንፈልጦ።

ሃንዳሲ ኩሉ ዓይነት እከይ ግብርታት፡ ሓሶት እንተተደጋገመ ሓቂ ይኸውን'ዩ ዝብል መርገጺ ዘለዎ፡ ኣባሃህልኡ፡ ንሓደ ነገር ሺሕ ግዜ እንተደጋጊምካዮ፡ ብውሕዱ ሰብ እቲ ሚእቲ ሰሚዑ ገዚኡ ይሸጠልካዩ ዝብል መድሓርሓሪ ፍልስፍና ዝነበሮ፡ ኣብ ዘበነ ማለሊት ሚኒሰተር ሓበሬታን ርክባትን ዝነበረ፡ ሃንዳሲ ኩሉ ፕሮፖጋንዳዊ ዘመተታት፡ ብኣባላት ህውሓት ነበረ እቲ "ጎብለስ" (Joseph Goebbels Hitler Propoganda Minister, at last of his defeat with the Hitler arm, he managed the sucied plan, to kill his own 6 children and his wife too by injecting and poisoning them)፡ ቅጽላትን ሓረግን ዝነበሮ ኣዝዩ እከይ መጋብር ፍጡር እዩ ኔሩ።


ተስፋዮ ገብረኣብ ኣብ መጽሓፉ "የጋዜጠኛ ማስታዋሻ" ትብል፡ ንበዓል ስየ ኣብረሃ፡ ተወልደ፡ ኣለምሰገድ፡ ገብሩ ዝኣመሰሉ ንከጥቅዑ ኣብ ዝገብርዎ ዝነበሩ ፕሮፖጋንዳዊ ዘመተታት፡ ዋላ እኳ ብሓገዝ CIA ኣብ ሆቴል ሂልተን ከምዝኣለይዎም ይንገር ኣንተነበረ፡ ተራ ናይዚ ፖሮፓጋንዲስት ግን ዘስደምምዩ ኔሩ። ንኣብነት ኣብ ሓንቲ ሰፊሕ ሸፈነ ዝነበራ ጋዜጣ፡ ነዊሕ ቃለመሕትት ጌሩ፡ እቲ ጽሑፍ ብስም ሓደ ጀነራል ወያነ ክወጽእ ከምዝኣዘዞ ኣብቲ እዋን ሓላፊ ክፍሊ ፕረስ ዝነበረ ደራሲ ኣቶ ተስፋዮ ገብረኣብ ይዛረብ። ዋላ እኳ እቲ ጀነራል ንክሰኣልን እቲ መምርሒ ክንገሮን ኣብ ቤት ጽሕፈት ክፍሊ ፕረስ ምስ ተጸወዐ "እዚ ደኣ ዓቢ ዕድል እንድዩ፡ ካልእ ስራሕ እንተሊኩም ከኣ በሉ ጸውዑና!" ኢሉ ብሓጎስ ይቀበሎ፡ ነቲ ንሱ ዝውክሎ ክፍሊ ሕብረተሰብ ትግራይ ግን ማዕረክንደይ ኣዋራዲ ክስተት ከምዝነበረ ምግማቱ ኣየጸግምን። ሽዑ መለስን በረኸትን ብግብሮም ይስሕቁ ኔሮም።


ከምዚኦም ዝዓይነቶም ሰፋሕቲን ኣደንቆርትን ፕሮፖጋንዳዊ ዘመተታት ናብ ዝተፈላለዩ ወገናት ዝቀንዑ ቁጽሪ ኣይነበሮምን፡ ብ ጆስፐ ጎብልስ ዝተሃንደሱ። ንሕና ውን ቁሩብ ንከታዓሉ፡ ህዝቢ ትግራይ ዘይኮነ ወያነዩ ጸላኢና ንብሎ፡ ነዝን ወዲ ከምዝን ኣብ ግምት ብምእታውይይ። ብስሙ ዝተሸቀጠ ማእለያ የብሉን። ኣብዚኣ ቁሩብ እዞም ሃገራውያን ምርዳእ ኣቢኩምና።

እዚ ብካድራት ህውሓት ክጸሓፍ ዝውዕል ካብኡ ዘፍሊ የብሉን። ህዝቢ ትግራይ ክንብል ከለና፡ ነተን ካሕሳይ በርሀ መጺኡ ኢለን፡ ብስም፡ኤርትራዊ ስለዝኮነ ጥራይ ዝውጭጫ ዝነበራ ዜጋታት ኢትዮጵያ ምርኣይ ጥራይዶ ኣይኣክልን።


እዚ ኣብ ኤርትራ ስድራቤቱ ናይ ሓዘን ዳስ ጌሮም ከም ምውት ዝቀበጽዎ ኣባላት ስድራቤቱ፡ ብዛዕባ ንፕረዚደንት ብናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳን፡ ሓቂ ዝመስል ዘመተታት ውን ብዙሕዩ ሃንዲሱ። ንኣብነት፡ የማነ ጀማይካ ዝበሃል ኣባል ህውሓት እየ ኔረ ኢሉ ዝተዛረቦ፡ ህንደሳ በርከት ስምኦንዩ ኔሩ። እቲ ታሪኽ ኢሉ ቃለ ምልልስ ምስ ፕረዚደንት ከም ዝነበሮ ኣምሲሉ ዝተዛረቦ፡ ባዕሉ በረኸት ስምኦን ኣብ ሜዳ ምስ ኢሰያስ ተራኺቡ ዝገበሮ'ዩ ኔሩ። እንተኣስተውዒልኩም፡ ቅድሚ ቁሩብ ኣዋርሕ ዝነበረ ወረበላ ዘረባታት እኳ፡ ኢሰያስ ትግራዋይ እዩ ኢሎሞ፡ ጃማይካ ተዛረበዶ፡ ዋላ ፋሚሊ ቻርት ተሰሪሑዶ እንዳበልካ፡ ምስ ደቂ ዓዱ ትግራይ ክሕውሰናዩ ዝብል እዩ ኔሩ። እቲ መንገዲ ሓቂ ስለዘይተበትከ ከኣ፡ ሕጂ እቲ ዘረባ ናበይ ተቀዪሩ? ክንደይ ካባናከ ተታሊልና?


ኢሰያስ ልኡኽ ሃይለስላሰዩ፡ ኢሰያስ ኣብዚ ከምዚ እገለ ዝበሃል ቤ/ትምህርቲ ዓደ ኣምሓራ ተማሂሩ ኔሩ፡ ወዘተረፈ ወረበላ፡ ስለዝኮነ ምስ ኢትዮጵያ ክሕውሰናዩ፡ ኣንድነትዩ እዩ ሕጂ እቲ ዘረባ ተቀዪሩ። ነዚ ኣደንቋሪ ዘመተታ ብመንገዲ ተቃወምቲ መንግስቲ ኤርትራ ("ዝተባታተኑ ኣተግበርቲ ኣጀንዳ") "ተቃወምቲ" ዝብል ዓቢ ሽም ዘጠመቁ ንነብሶም፡ ልክዕ ከምቲ ዝረኣናዮ ናይ ወያነ ጀነራል ኣብነት ብምኽታል እዩ ዘተግብሮ። ካብቶም ቀንዲ "ስርዓት ኢሰያስ ቶታሊታትያን ዲክታቶር ስለዝኮነ ክንኣልዮ ኢና ኢሉ ትማል ዝዛረብ ዝነበርን፡ ሕጂ ውን በቶም መልሕቃቱ ተቃወምቲ ከይተሓለለ ዝሰርሕ ዘሎን ግናይ መጋብርዩ"።


ሃንደበታዊ ዲፕሎማሳዊ ህጁም ዝወሰደ መንግስቲ ኤርትራ ዋላ እኳ ኣብዘይተጸንዐ ኣብ ካልእ ስራሕ ከምዝኣትዉ ይግበሮም፡ እዞም ብበርኸት ስምኦን ዝምርሑ ወይ ዝእለዩ መሓዉር ኣልቦ ተቋመርቲ ግን ሕጂ ውን ብዓቅሞም ክጽይቁ መምርሒ ኣለዎም፡ ኣብ ቁጽሪ ##03 ንከተተል።


2. ዓሻስ ምውት ይናፍቕ!

ኣብዝሓለፈ ቅንያት ብምኽንያት 6ዓመት ሞት መለስ ዜናዊ፡ ብዙሕ ሕንቅንቅ ደገፍቱ፡ ኣምለኽቱ ሰሚዕና። ጸገም የብሉን ንሓደ ክትድግፎ ክትዝክሮ። ንሓደ ዓሻ ስለምንታይ ዓሺካ እንተኢልካዮ፡ እስከ ናይ ዓያሹ ሕቶ ኣይትሕተተኒዩ ዝብለካ። ስለዚ ዘሐትት የብልናን። ንመንግስቱ ደርጊ ውን ክሳብታ ናይ መወዳእታ ሰዓት ዝሃድም ዝዋደቅሉ ዓያሹ ስለዝነበሩ። እንተኮነ ግዜ ቀላሊዓ ኩሉ ቀሊዑ ከርእየና ከሎ፡ መለስ መን'ዩ!


>> መለስ፡ ኣብ ሎሚ ኮይኑ ንዝደለዮ ሰብ ከታልል ስክእል ፍጡርዩ፡ ጽባሕ ግን እንድዕላዩ ዝብል!


>> መለስ፡ ንምዕራባዊ ወራር ኣብ ዞባና ኢድ ነሲኡ፡ ብመንገዲ CIA ባብ ዝከፈተ ዝዓደመ፡ ቀዲሙ ንመቃልስቱ ኣባላት ህውሓት ዘከላበተ፡ ደሓር ንምሉእ እዚ ዞባ ዘናወጸ ሰይጣንዩ።


>> ፈደራሊዝም ኣብዝኮነት ሃገር ዘሎ ስርዓትዩ፡ የግዳስ መለስ ሕልሚ ኔርዎ። ንኢትዮጵያ ፋሕፋሕ ኣቢልካ፡ ንመንግስትን ህዝብን ኤርትራ ኣዳኺምካ፡ ኣብ ሃይማኖትን ዓሌትን ተሞርኪስካ ሓዲሽ ጂኦግራፊ ምምስራትን፡ ሕልሚ ዓባይ ትግራይ ናይ "1976 ማኒፈስቶ" ከተግብር ዝተሃንደደ ድሑር ግን ከኣ ሓደገኛ ኣመላኻኽታ ዝነበሮ ሰብዩ። ስለዝኮነስ ከኣ 60-70ዓመታት ምስ ካልኦት ህዝብታት ኢትዮጵያ ተሳንዮም ዝነብሩ ዝነበሩ ተጋሩ ተጋፊዑም ከምዝስደዱ ተጌሩ። ረቂቕ ጥበብ ንጥፍኣት! ኢልዎም ከኣ "መለስ ሌጋሲ" ብደቦብ ህቦብላ ማዕበል ምምጽኡ ኣይተርፍንዩ፡ እንተኮነ ናይ ሰሜን ዕዮገዛ ወዲእኩም ጽንሑ ኣሞ ናብኡ ጠምቱ" ያኢ ተነቢዩ ሓሊፉ። ኣብ 27ዓመት ሓድነት ኢትዮጵያስ ይትረፍ፡ ቅኑዕ ዕላማን መንገድን ዝሓዘ ስርዓት፡ ዓለም ምሉእ ውን ከስምራ ይክእልዩ።


>> መለስ ቁጽሪ ሓደ ጸረ ዕላምኡ፡ እቲ ክምህ ዘይብል ሓይሊ ፍልጠትን ብልሕን ዝነበሮ ኢሰያስ ምኳኑ ኣጸቢቁ ይፈልጥ ስለዝነበረ፡ ቀስ ብቀስ ድሕሪ ምዕዛብን ምውዳስን ብከመይ ክሳብ ዝደልዎ ይሕንክስ ይሓስብ ነበረ። ምስደለዎ ከኣ፡ ንኢሰያስ ኣታሊሉ ብሓገዝ CIA ኣብ 1996 ኣብ መጻወድያ ፈተነ ቅትለት ኣእቲዎ ኔሩ፡ ግን ኣይተዓወተን። ነዚ ዝምልከት ሓበሬታ ስለዘለኒ፡ ኩሉ ህዝቢ ብዛዕባ እዚ ዛንታ ፈተነ ቅትለት ክሰምዕ፡ ከነዘንትዎ ኢና። "ብዙሕ ጸዓር፡ ንእሽተይ ዋላ ትኹን ግን ንኣምላኽካ/ኣላህ ኣምልኽ፡ ኣብዘይ ማዓልትኻ መጺኣ ከተድሕነካያ" ትብል እምነት ኣላትኒ። ካብዚ ታሪኽ ዝተማሃርክዋ። ብሓገዝ ፈጣሪ ዝደሓነሉ እዋን'ዩ። እንተኮነ፡ ኩሉ ውዲት ዝተከሽሓሉ ግዜ!


>> መለስ ብስም ህዝቢ ትግራይ ሸቂጡ፡ ጸለሎ ቀቢእዎ ከይኣክሎ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብርእሲ ብዙሓት ዜጋታት ኣትዮ መንገዲ ጥፍኣት ዘጋልቦም ዘሎ ቆሎ በዓል ዛርዩ። ህዝቢ መስኪንዩ፡ ናብ ዝመራሕካዮ'ዩ። ክኣምን ኢልና ኣይንጸበ፡ ግዜ ምተቀየረ፡ ናይ ምንባር ዋሕስ ምስረከበ እዩ ዝኣምን።


>> መለስ እቲ ዝከፍአ ምስ በረኸት ስማኦን ኮይኑ፡ ሻዕብያ ንምድኻም ህዝቢ ምድኻም ዝብል ፍልስፍና ሒዙ፡ ባህሊ ስደት ዘተኣታተወ በዓል ኣሰንባዲ ታሪኽዩ። እንሆ ድማ እቲ ተማሓላላፊ ባህሊ፡ ናብ ኩሉ ኩርናዓት ዞባና ተላቢዑ፡ ንባዕሉ ህዝቢ ትግራይ ውን ተለቢዱ።


>> መለስ ባህሊ ምጽወታን ጽግዕተኛነትን ከም ጥበብ ወሲዱ ዘተኣታተወ ኣርማ ክፍኣት'ዩ። በዓል ከቢድ ዕዳ። ኣይተሰማማዕክምሉን፡ ጽቡቕ፡ ንታሪኽ ግደፍዎ።


>> መለስ ንጸረ መንነትን ህላወን ሓደ ሕብረተሰብ ዝኮነ ግብረሰዶም ዘፍቀደ ኣገራሚ መራሒ ኣብ ኣፍሪቃ'ዩ ኔሩ።


3. ጀኔቫ፡ ጉዳይ ኤርትራን መጻኢኣን ጀነቫ ከምዘይፈትሖ ቅድሚ 70ዓመታት ኣብ 1952 ዝፈልጠ ህዝቢ፡ ሕጂ መን መራሕን ተመራሕን ኮይኑ ናብቲ ዘይሰምዕ ደብሪ ከምርሕ ይጽዕር ኣሎ? ኣዛብእ ቀትሪ!

ኣብ 1952 ኣቦ ኤርትራ ኣቦና ሼክ ኢብራሂም ሱልጣን ኣብ መጋባኣያ ውድብ ሕቡራት ሃገራት UN ከምዚ ኢሎም ተዛረቡ፡

"እዚ ንረብሓ ውሕዱን ሓያላን ሃገራት ዓለምና ተባሂሉ ተዓምጺጹ ዝሓልፈ ውሳነ ብይን ፈደረሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ፡ ቅኑዕ ስለዘይኮነ ደጊም ቀርኒ ኣፍሪቃ ደም ንደም ክትከውን'ያ" በለ።

ሽዑ ንድምጹ ዝሰምዕ ዋላ ሓደ ኣካል ወይ ባይዮ ዓለምና እኳ ኣይተረኽበን። ወይልኣ ሓሶት እንበር፡ ሓቂስ እንተ ቀጢና ሓጺራ፡ ዋጋ ኣክፊላ ካብ ምውጻእ ከቶ ዝኮነ መሎኮታዊ ሓይሊ ኣይዓግታንዩ። ብዙሕ ደም ፈሲሱ፡ ንዓና ጥራይ ዘይኮነ መላእ እዚ ዞባ ክሳብ ሎሚ ተሓሚሱ፡ ብሰንኪ እዚ ገዛ። መና ከሰበ..? ንሶም እዮም ከሲቦም። ምኽንያቱ ብድህረትና ኮስትሞ ረጂቤቶ ከይተረፈ ካብኦም ክንዕድግ ንነብር ስለዘለና። እቶም ከም በዓል ታእማር ታእዛዝ ኤርትራዊ ዝመንነቱ ናይ ኢትዮጵያ ጉዳያት ወጻኢ ምስ ተፈሪ ሞኮንን፡ ንጻዓዱ ኣሰሊፎም ዝሞጎቱና ዝመሰሎም ግን ኣብ መወዳእታ ሓዎም ለኪሞም ዛዕ ኢሎም ወዲቆም። ኣብ ናይ ሕንከትን ጎሓፍን ታሪኽ ከኣ ንሓዋሩ ኣትዮም።

ስለዝኮነ፡ ንሕና ህዝቢ ኤርትራ ንኹን ህዝቢ እዚ ከባቢ ብዛዕባ እዚ ገዛ ጽቡቕ ጌርና ፈሊጥናዮ ኢና። ወያነ ውን ካብዚ ስለዘይተማህረት ጸዓዱ ኣሰሊፋ ብእገዳ ክትድቡቀና ከላ መጀመርታ ናይ መወዳእታኣ ምኳኑ ክርደኣ ስለዘይከኣለ ጠፊኣ። በይኖም ስነሓሳቦም ከተግብሩ ኣንጻርና እንተዝዓጥቁ፡ ከም ኮረኔል ማሞ ኣብ ውግእ ናቕፋ፡ መኽበርናዩም።


ሓጺር መልእኽቲ:

ህዝባዊ ግንባር ኣንጻር ኩሉ ዓይነት ሽግራትን ጸላእቱን ተዋዲቁ ሽግር ህዝቡ ፈቲሑ ናጽነት ከምጽእ ከሎ ንጸዓዱ ስለዘየሰለፍን፡ ኣብኦም ስለዘይተሞርከሰን'ዩ። ኣብ ኤርትራ ጸገም ፍትሒ ኣሎ? ፍትሒ ጎዲሉ? ኣብ ውሽጥካ ተሞርኪስካ ተቃለስ "ስም እቲ ኩቡር ተቃዋሚ" ከኣ ይወሃበካ። ኩሉ ከምቲ ንደልያ ሃገር ኣላትና እንተኮይና፡ ንሕና ውን ኣብዚ ተገቲርና ምውዓል ኣየድሌናንዩ። ኩሉ ጉቡእ መስርሕ ኣለዎ።

እቲ ኣብ ውሽጥና ተሞርኪስና፡ ገንዛብ 25ሺሕ 60ሺሕ ኣዋጺእና ኣብ እንዳ ጻዓዱ ክንከይድ ኢና ትብልዎ፡ ዉጹእ ሓሶትዩ። ምኽንያቱ እቲ ምውጻእ ናይ ብሓቂ እንተዝከውን ጽቡቅ፡ እንዳ ጻዓዱ ምኻድ ገዲፍኩም ብሓይሊ ሓሳብት ክትሰርሑ ምረኣና። ንሕና ንርእዮ ዘለና ግን፡ ምስ በረኸት ስምኦን ከተዕለብጡ ንፈልጠኩም ሰባት ኢኩም ሰብ ከተዳናግሩ ትሰርሑ ዘለኩም። ምሳኩም ዓጀውጀው ዘብል ድማ የብልናን፡ ንተኣማመኖ ነገር እንተሊና፡ ብጥቅላል ኣብ ናይ ታሪኽ ጎሓፍ ምእታውኩም ስለዘይተርፍዩ።


የዋህ ሰብ የለን ማለት ኣይኮነን፡ ኣቦይ ተኣሲሩ፡ ሓውካ እኳ ተረሺኑ ብዝብሉ ዘረባታት ዝራሰኑ። ሃገር ናይ ሓባር እንበር ናይ ውልቂ ኣይኮነትን። ስለዝኮነ ብውልቅና ዘጋጥመና ንሃገር ተመሊስና ኣይንፈርዳን።


እገዳ ከተሕልፎ ቀሊል፡ ከተልዕሎ ከቢድ። ናይዚ ኣቀዲሙ ዝሓለፈ እገዳ ወይ ብሕጂ ክሓልፍ ዝሰርሑ ዜጋታት ምሕረት ዘይብሉ ናይ ሞት ብይን፡ ሓመድ ዓዶም ውን ኣይክለብሱን እዮም።


ንዚንባብወ ዝመርሕ ዝነበረ ሮቦርት ሙጋበ ተኣልዩ፡ ብሓያል ብልሓትን ትብዓትን ህዝባዊ ደገፍ ኢመርሰን ምናንግዋ ኣብ ስልጣን ምስ መጸ፡ ቁጽሪ ሓደ ዝገበሮ ንዝተረመሰ ቁጠባ ንምብርባር እገዳ ንክልዓል ናብ UN ዘቅረቦ ሕቶዩ ኔሩ።

ጎይቶት ዓለምና ግን እገዳ ንፍትሒ ኮነ ንመቅጻዕቲ ዓመጸኛ ፈጺሞም ተጠቂመምሉ ኣይፈልጡን እዮም። መተግበሪ ሕልምታቶም፡ መሐለዊ ረብሓታቶም እንበር። እቲ ዝነበር ግብረመልሲ፡ ነቶም ሰፊሕ መሬቶም መንጢልኩም ዝሰጎኩሞም ገበቲ ብርጣናውያን፡ መሬቶም ምለስሎም፡ ሓቀኛ ዲሞክራሲ ክንርኢ ኣለና...(ማለቶም እዚ መሰል ፕረስ፡ ሓሳብካ ምግካጽ፡ ገለመለ ገዲፍካ ክሳብ ግብረሰዶምን ምንዘራ ሃይማኖትን ምቅታል ሃገራውነት Nationalism ዝርከቦ ማለቶም እንበር)።


እሞ እቶም Mugabe Must Go ኢሎም ኣብ ኣደባባይ UN ዝጭርሑ ዝነበሩ ዜጋታት ዚንባብወ፡ ካብ ስደት ስርዓት ተቀዪሩ ኢሎም ኣፍልቦም ነፊሖም ምስ እተዉ,ምስ ህዝቦም ስራሕ ስኢኖም ዓድ ውዒል ምስ ኮኑ፡ ኣፍልቦም ጨቢጦም ድዮም ዝነበርናዮ ይሓዪሽ ኢሎም ናብዝነበርዎ ክምለሱ??? እዚ ተወሳኪ ናይቲ ናይ ባዕልና ታሪኽ 1952 እዩ እሞ፡ ክንደሳዕ እያ ዓለም ከተስተምህረና....????


4. ንድሙ ጸወታኣስ ነንጭዋ ጻዕረ ሞታ! "ካድራት ህውሓት"

ከምዚ እዚ ኣብ ታሕቲ ሰለል ዝጻወት ዘሎ ተርባብ ካድር ህውሓት፡ ንሱን መሰልቱን ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ንህዝቢ ትግራይ ጸለሎ ከምዝቅባእ፡ ከምዝጽላእ፡ ከምዝፍንፈን፡ ሰራቅን ሓሳውን ኮይኑ ከምዝርአ፡ ጽቡቕ ዝጻወቱ ዘለዎ መሲልዎም መርዚ ክነዝሕዎ ዝውዕሉ እዩ እንበኣር፡ ንህዝቢ ትግራይ ናይ ምንባር ሕቶ ኮይንዎ። ዝገርምዩ።


5. ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈዎርቂ ኣብ ዓዲ ሃሎ ሓደ ስራሕ ይሰርሕ ኣሎ።

ግዚኡ ምስ ኣከለ ግን ክነግረኩም ኢና። ብዙሓት ዓዲ ሃሎ ማለት ዲጋ ዝመስለኩም ትህልዉ ኢኩም። ከምቲ ናቕፋ ማለት ድፋዕ መዋግኢ ጥራይ ዝመስለና ዝንበረ። እንተኮነ ንሱ ዕርዲ ኩሉ ዓይነት ክብርታት እዮ ኔሩ፡ ዕርዲ ሂወት ወዲ ሰብ ምትራፍ ጥራይ ኣይኪነን። ዕርዲ ንዘልኣለም ኣዕኑድ ህላወ ኮይኖም ከንብሩናን ከዋጋኡናን ከቃልሱናን ዝክእሉ ክብርታት እንበር። ዕርዲ ዓድሃሎ ኸኣ እንታይ እዪ ከምጽእ ወይ የምጽእ ኣሎ፡ ገምጋምኩም ኣብ ታሕቲ ቁጽሪ ብምጥቃስ ግደፉ። ኣብዝመጽእ ግን መብጽዓ ይኹነኒ ክትንትኖ ክበጃጅሎ'የ። ሰማይ ዝዓርግ ሓይሊ ድማ ክስማዓኩምዩ። ምስጋና ንፈጠርቱ።


6. ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ መቀለ ሓደ ነትጊ ፖለቲካ ክህሉ'ዩ። ሓንሳብን ንሓዋሩን ድማ ሰላም ክከውንዩ። ህዝቢ ትግራይ ዝጨንዉ መራሕቲ ክመጹ እዮም። ሽዑ ነርክበሉ ብዛዕባ ኣክብሮት ህዝቢ ትግራይ ዘለና ክንገልጽ።


7. ሕቶ፡ ካብ መስመርካ እንተወጺካ እንታይ ትኸውን?

መልሲ፡ መኣዝንካ ተጥፍእ! ከምዚ ናይ ወዲ ትካቦ ኣብ ታሕቲ ኣብዘይፈልጦ ዓውዲ ሃለሉያ ክዝምር ንሪኦ ዘለና ኣብ ሓደስቲ ሃይማኖት (ንመበቆላውያን ሰዓብቱ ኣኽብሮት ኣለኒ፡ እዚ ማለት ሰብ ንዝመረጾ ከምልኽ መሰሉዩ)፡ ሓዲሽ መንነት፡ ከም ካምቻ ክትቐያዪር ግዜካ ትሽቅጠሉ፡ ማልስ ጁባካ ሃሰስ እንተበልካ ከኣ ዚሮ። እሂ እንተበልካ፡ ኣብ ገነት ተሓሲብልካ ኣሎ ትበሃል። በቲ ከኣ ንጽድቂ ንስራሕ እንዳበልካስ፡ ንኪድ ንጀኔቫ ኢልካ ትጉስጉስ። ወይሰብደቀይ!


>> ነጥቢ፡ "እቶም ሓያላት ኣውቲስታ ማርቸድስ ሰዊት ካብ መስመሮም ኣዝሊቆም ምስ ሃደሙ፡ ብኣይታንትኦም (ተሓጋገዝቶም) ተተኪኦም ዓገግ እንዳበሉ ሓያላት መራሕቲ ማኪና ኮይኖም ኣብ መስመሮም ተቃሊሶም ክዕወቱ ከለዉ፡ ከምዚኣያ ሰውራ!"

ጀነራል ስፍሓት!

ካብዚ ንምድሓን ዋላ መሬት ትገምጠል ኣብ መስመርካ መስመር ሓቂ "ጽናዕ!"


ኣብዚ ወዲአ ኣለኩ፡ ነቶም ንቡር ከይ ረኸቡ ዝተሰዉኡ፡ ኣባላት 8ይ ዙርያ ብፍላይ፡ ኩሎም ብጾት ድማ ብሓፈሻ ንዘክሮም። መበል 20ዓመት 8 ዙር ምውራድ ንሳዋ ትማል ኔሩ፡ እቶም ሓድጊ እቲ ኪናት ዝኮንኩም፡ ናብ ኪናት ዝኣተኩምሉ 2ይ ወራር ዝጀመረሉ ዕለት ጸሓፉልና፡ ክንዝክሮ።

ዘለኩም ርኢቶ፡ ሃናጺ ነቐፌታ፡ መኣረምታ፡ ቁጽሪ ብምጥቃስ ኣብታሕቲ ግደፉልና፡ ዘለና ሓበሬታ ከነካፍለኩም፡ ከነብርሃልኩም።


Share ብምግባር ንኩሉ ኣባጽሕ። መሰነይታ ኣሳእል ኣብ ታሕቲ ተዓዘብ።

ዓወትንሓፋሽ NationalEr Interest

36 views0 comments

Recent Posts

See All
bottom of page