top of page
  • Writer's pictureNationalEr Interest

እንታይ ኣሎ! Entay Alo! >>>>>>>>>>>>>>>>>>>ቀንዲ ኣርእስታት

Updated: Oct 20, 2018


1. ሕልፈት በረኸት ስምኦን ንመላእ ኣባላት ማለሊት ኣብ ስሪኦም ዘሸነ ፍጻመን! 2. ፖለቲካ ኢትዮጵያ፡ 46 ማዓልታት መን ተጠቂምለን? 3. ህውሓት ኣብ ሞንጎ ክልተ ሓይልታት ዘይኮነ፡ ኣብ ሞንጎ ክልተ ተጻረርቲ ስነሓሳብ ተቀርቂራ ትሓቅቅ ዉድብ! 4. ምስ ዝጸመመ ዝጸመሙ ዜጋታት ኣለዉና! 5. ፖለቲካ ኤርትራ፥ ኣብ ኤርትራ ድሕሪ እዚ ዘሎ መሪሕነት ዝመጽእ ካልእ ተካኢ መሪሕነት ኣዝዩ ስትራተጂካውን ሓደገኛን ክኸውን ይኽእል'ዩ!

ከምቲ ልሙድ ሰሙናዊ፡ ወትሩ ቀዳም ንቀርበልኩም እኳ እንተኮና ብሰንኪ ካብ ኣገልግሎት ኢንተርነት ብስራሕ ምርሓቅና ደንጊና ምዝርጋሕና ይቕሬታ እንዳበልና፡ ብዛዕባ ሓፈሻዊ ምዕባሌታት ዞባናን ሃገርናን ጽሙቕ ጽሙቕ ኣቢልና ከነቅርበልኩም ኢና ኣይተስታዋሕድዎ። እሞ እንታይ ኣሎ እስከ!


01. ሕልፈት በረኸት ስምኦን: ንመላእ ኣባላት ማለሊት ኣብ ስሪኦም ዘሸነ ፍጻመ!


"እዛ ዓዲ ብተዛዋዋሪ መንገዲ ብኣቶ ኢሰያስ እያ ትመሓደር ዘላ"፡ ክብል እቲ ንኢሰያስ ኣሰይጢንካ ንህዝቢ ድማ ብፕሮፖጋንዳዊ መለኸት ኣዶንቂትካ ምእላይ ዝብል "ስልቲ" ዝነደፈ፡ ብኣባላት ማለሊት ክቱር እምነት ዘለዎ፡ መንነት ኣልቦ "ጆሲፐ ጎብለስ - በረኸት ስምኦን" ምስ ማዕከናት ዜና እቲ ዓዲ ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት።

ኣብዝሓለፈ እውን፡ በረኸት ስምኦን ንሱ ኣበዘይተረኽበሉ ምስ ካልኣዩ ኣቶ ታደሰ ካብ ኣባልነት ውዱብ በኣዴን ጠቅሊሎም ከምዝተቀልዑ ሪኢና ኔርና፡ ንሱ ጥራይ ዘይኮነ "በረኸት ስምኦን" መን ምኳኑ ውን ርኢና ኔርና። እዚ ኣብ ፓልቶክ ስመር እንዳመጸ ስርሓቱ ዝከታተል ዝነበረ፡ ሓሓሊፉ እውን ንደረጃ ቃልሲ ተቃወምቲ ውድባት ኣመልኪቱ መግለጺ ዝህብ ዝነበረ፡ እንሆ ሓለንጊ ሻዕብያ ኣርኪብዎ፡ ከምቶም ቅድሚኡ ዝጠፈሹ ደርጋውያን፡ ንጭንቀቱን ሕማም መርዘኑን መናገፊ እንተኮኖቶ መጽሓፍ "ዘ'ትንሳኤ ኢትዮጵያ" ትብል ወዲኡ ከይዘርገሓ፡ ሰርሰርቲ መርበብ ዘሪፎም ኣብ ኩሉ ከምትዝርጋሕ ጌሮም ኣለዉ።


ኣብ ገዛእ ዓደይ ናይ ጸጥታ ጸገም ኣጋጢምኒ ኣሎ ኢሉ ከይወድአ፡ ሕብረት ኤውረጳ ውን መፋተዊ ገንሸል ምስ ሓዲሽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣቢየ ኣሕመድ ክገብርዎ እዮም ደሊዮም መስለኒ፡ ብገለ ኣባላት እቲ ሕብረት ከም ኣና ጎመዝ (Ana Gomes, MEP), ዝኣመሰላ ንነዊሕ እዋን ፖለቲካ እዚ ከባቢ ክትከታተል ዝጸንሐት፡ *Ref.01."እዚ ሰብ እዚ ኣብ ኣህጉራዊ መጋባኣያ ቀሪቡ ግቡእ መቅጻዕቱ ክወስድ ኣለዎ" ክትብል መግለጺ ድሕሪ ምውጻኣ፡ ንብዙሓት ኣባላት እቲ እከይ ጉጅለ ማለሊት ናይ ምህዳም፡ ካብ ኢትዮጵያ ናይ ምውጻእ መደባት ዝነበሮም ዓበድበድ ኣእቲሎም ኣሎ። ርእስካ ናብ ከምባዓል ዚምባብወ ድያን ኤኳደር ገጽካ ምቅናዕ'ዩ እንበር፡ ካላእ ቦታታት ደቆም፡ ስድራቤቶምን ርእሰማሎምን ኣዕቂቦምሉ ዘለዉ ምዕራባዊ ዓለምሲ ሕልፈት ክኸውን ከምዝክእል ተገንዚቦም ኣለዉ። ብዝኮነ ዘይወግዓውያን ምንጭታት ከምዝሕብርዎ፡ ናብ መቀለ ከምቶም ተሓቢኦም ዘለዉ ገበነኛታት ክዕቆብ ኣቲዩ ኣሎ ይበሃል ኣሎ፡ ሽግርካ እንተሃደምካ ተርክበካ እንበር ኣይትገድፈካን።


02. ፖለቲካ ኢትዮጵያ! 46 ማዓልታት መን ተጠቂምለን!


ድሕሪ ምብጻሕ ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ፡ እንሆ ሎሚ ኣስታት 46 ማዓልታት ኣቁጺሩ ኣሎ። እዚ ንማለሊት ሓፍ ግምጥል ዘበለ ክስተ፡ ብዙሓት ሰባት ናይ መወዳእታ ዛዛሚ ኪናት ጌርና ተረዲእናዮ ኔርና'፡ ኮይኑ ከኣ። እቲ ወድዓዊ ሓበሬታ ከምዝሕብሮ፡ ወያነ ንዕላማ "ነጻ ዓባት ትግራይ" ንክምስርትን፡ እታ ናይ ሓሶት ኢትዮጵያ ዝተባህለት ተበታቲና ክተርፍ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ንዘበናት ዘየቆርጽ ኪናት ሓድሕድ ክትጽመድ ዝሃንደስዎ ብልክዕ ኣብ ኢትዮጵያ ተዓዊቱ ኔሩ እዩ።

እቲ ከይተዓወተ ዝተረፈስ ኣብ ድሕሪት ዝነበረ ቀዳማይ ዕላማ ማለሊት፡ ምእላይ ሻዕብያን መራሕቱን፡ ምትካእ ብድኹም ወይ ልኡም መንግስትን ዝብል ኣጀንዳ እዩ ኔሩ። ስለዝኮነ እዚ ንክርድእዎ ምስጢር ዝኮኖም ህዝብን መሪሕነት ሻዕቢያን፡ ኣብ ርሑቅ ኮይኑ ብመቆጻጸሪ ሪሞት ንኩነታት ኢትዮጵያ ይቅልሶ ከምዝነበረ ውን፡ ሕጂ ከምቲ በዓል በረኸት ዝበልዎ ኣብ ላዕሊ ቁ.01 ዝተጠቅሰ ኢዩ ተረዲእዎም። ስለዝኮነ ድሕሪ ሰንከልከል፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓዲሽ ስርዓት መጺኡ ተተኺሉ፡ ናይ ለውጢን ድሕነትን ልሂቃን ተፈጢሮም፡ ንዶ/ር ኣቢየ ኣሕመድ ኣኸቲሎም ድማ ንድሕነት እታ ድሮ ብዓሌትን ሃይማኖትን ንትኹል ዝተፋነነት ኢትዮጵያ ከድሕኑ ለይትን ቀትርን ክሰርሑ ተቀሲቦም። እዚ ስነሓሳብ ማለሊታውያን እንተዝፈጸም፡ ሰብ ሃገረ ዓባይ ትግራይ ቀሲኖም ዝነብሩ እዩ ዝመስሎም ኔሩ። የግዳስ ናብ ፍልመ ዴሳዊ ወይ መስፍናዊ ኣተሓሳስባ ምምላስ ክሳብ ስለዝነበረ እቲ ዝከፍአ ጭፍለቃን ህልቂትንሲ ንህዝቢ ትግራይ ምበጽሖ ኔሩ። ስለዚ እዚ ናይ ምድማር ወይ ምድሓን ሃገር ግዕዞ ብዝያዳ ንህዝቢ ትግራይ ዘርብሕ ክንሱ፡ ገበነኛታት ግን ነዚ ሓቂ ህዝቦም ከይፈልጦ ደኣ ጠፋእካ፡ ጸላእትካ ኣክቢቦምካ እንዳበሉ ከይተሓለሉ ይሰርሑ ኣለዉ።

እንበኣር፡ ሓዲሽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ደገፍ ኣስመራ ምስ ረኸበ፡ ነቲ ነዚ ሓደገኛ ሓዲሽን ዓሌታውን ጂኦግራፊ ንምምስራት ዓሊሙ 20ዓመታት ዝተሰርሓሉ ዕላማ ዳርጋ 80% ከፍርስዎ ግዜ ኣይወሰደሎምን። ብስነሓሳብ ምሉእ ብምሉእ ዝተሳዕሩ ማለሊታውያን፡ ነቲ ዝጭበጥ ሓይሎም ዝጸንሐ ውን ቀስ ብቀስ ከረክብዎ ተገዲዶም ኣለዎ።


ማለሊት እንታይ ኢዩ ጸኒሕዎም ወይ ዘለዎም?


ብዙሓት ሰባት፡ ንስብሓት ነጋ ወይ ኣባይ ጸሃየ ኣብ ወረቀት ሓናጢጦም ስለዘሞትዎም ማለሊት ዝሞተት ይመስሎም ኢዩ ኔሩ። ሕጂ ናይ ብሓቂ ኣብ ጥቃ ጉድጓድ እኳ እንተበጽሐት፡ ድሮ ውን ብስነሓሳብ እኳ እንተተቀብረት፡ ነቲ ሓቀኛ ሓደገኛ ሓዪሊ እዛ ጉጅለ እንታይ ይመስል'ሲ ተንታኒትን ኣክቲቪስትን ብሮንውይን ብሩቶን (Bronwyn Bruton) ኣብ *Ref.02 ናይ ሓባር ጸላኢ ኤርትራን ኢትዮጵያን (Ethiopia and Eritrea have a Common Enemy)፡ ዝብል ጽሑፋ ኣብ መጽሄት ፎርየን ፖሊሲዪ (Forign Policy) ጽቡቅ ጌራ ተንቲናቶ ኣላ። እዚ ናይ ሓባር ጸላኢ፡ ኣብ ወታሃደራውን ቁጠባውን ሜድያውን ማሓዉራት ሱሩ ዝሰደደ ከምዝጸንሐ ተብራሃልና።

ካብዚ ኣብ፥----

ብኩሉ ወገናቱ ተሳዒሩ፡ ኣብ ትግራይ ቲቪ፡ ትግራይ ኦንላይን፡ ዝኣመሰላ ጠፋሻት ማዕከናት ተረኽሚሹ ተሪፉ'ዩ። ሕጂ ካልእ ገልጠምጠም ምምስራት ትግራይ ሚድያ ሃውዝ" Tigrai media house" ኣብ ኣሜርካ (እቲ Ethiopia Media house ዝብል ስም ብጸቅጢ ህዝቦም ክቅዪርዎ ተገዲዶም) ዝብል ሕልሞም ከስምሩ ጸደፍደፍ ክብሉ ንሪኦም ኣለና። ዋጋ የብሉን፡ ጽባሕ ደኣ ከምተን ካልኦት ሜድያታት፡ ናብ ማዓላ እቲ ህዝቢ ምምላሱ ኣይክተርፎንዩ ደኣ እንበር።


ቁጠባዊ ብምክልኻል እታ ሃገር ዝካየድ ዝነበረ ናይ ሓጺንን ምህንድስናን ዓርሞሸሻዊ ኮርፖረሽን ማቴክ (Ethiopian military-run Corporation- Metals and Engineering Corporation-MetEC)፡ ኣብ 1970 ዓመተምህረት ዝተመስረተ ኮይኑ፡ ድሕሪ ምምጻእ ህውሓት ኣብ ስልጣን፡ ኣብትሕቲ ምሉእ ምቁጽጻር እቲ ውድብ ብምእታው፡ ንቁጠባ መላእ እቲ ሃገር ኣብ ትሕቲ ዋንነቱ ዘእተወ ኣዝዩ ዓቢ ቁጠባዊ ትካል እዩ። እዚ ብክንፈ ዳንኘው ዝካየድ ዝነበረ ኮርፖረሽን፡ ኣብ ትሕቲኡ ክሳብ 712,000 ሰራሕተኛታትን፡ ኣስታት 70 ዝኣክላ ኮባንያታትን ትካላትን ዝጥርንፍ፡ ትካል'ዩ። እቲ ዝዓበየ ኣብቲ ሃገር ሒዝዎ ዝጸንሐ ፕሮጀክት ድማ፡ ከም ሕዳሰ ግድም ኢትዮጵያ፡ ንግዲን ፍርያትን ሺኮር ዝኣመሰለ እዩ።


ሕዳሰ ግድብ ኢትዮጳያ ናይ ቢሎናት ዶላር ወፍሪ እታ ሃገር ኮይኑ፡ እዚ ኮርፖራሽን ኣብ 5ዓመት ክውድኦ ኩንትራት ኣቲዩ ጸኒሑ። እንተኮነ ከምቲ ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ዝበሎ፡ "ኣብ ክንዲ ዕማማቱ ብዝግባእ ዝፍጽም፡ ንፖለቲካውን ፕሮፖጋንዳውን ማዓላ፡ ከም ማእከል ስሕበት ጸገማት ኢትዮጵያ ኣምሲልካ ምርኣይ፡ ብኡ ኣቢልካ ድማ ሕልምታትካ ንምትግባር ከም ተጣባቂ እቲ ፕቶጀክትን ዕቤት ቁጠባ ኢትዮጳያን ንነብስካ ኣምሲልካ ምርኣይ" ክብል ዝገለጾ፡ እቲ ዘረባ ሓቂ ኮይኑስ፡ ካብ ዝተመደበሉ ግዜ 5ዓመታት ናብ 7ዓመታት ሸታሕታሕ ኢሉ፡ ማእለያ ዘይብሉ ሃልኪ ጉልበትን ገንዘብን ግዜን ድማ ተኸሲሩ።


ኣብ ናይ 46መዓልታት (ካብ ምብጻሕ ፕረዚደንት ንደሓር ዘሎ ግዜ ማለትዩ) ስራሕ ዶ/ር ኣቢየ ድማ፡ ነዚ ኣጻፊፉ ድሕሪ ምምጻእ ንማቴክ እቲ ውዕል ክቆርጾ ወሲኑ *Ref.03። ንዋና ኣቲ ኣካያዲ ትካል ዝኮነ ክንፈ ዳንኛው ድማ፡ ንኣስታት 20ዓመታት ዝሰርሓሉ ቤትጽሕፈት ብኣገባብ ከየረከበ ንመቀለ ኮብሊሉ ክብል ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ጠቂስዎ ኔሩ። እዚ ማለት ግን ማቴክ ምሉእ ብምሉእ ኣብትሕቲ ቁጽጽር መንግስቲ ውዒሉ ኣሎ ማለት ኣይኮነን። ጌና ማእለያ ዘይብሉ ዝተጣፋፍአ ገንዘብ ኣብ ትሕቲ መርመራ ክህሉ እዩ በዚ ትካል።


ብካልእ ወገን ንብኪናት ዝተሃሰየ ክልል ትግራይ ንምልማዕ ተባሂሉ ዝተመስረተ ካልእ ዓርሞሺሻዊ፡ ትእመት ወይ EFFROT (Endowment Fund for the Rehabilitation of Tigray) ተባሂሉ ዝቆመ ትካል ጌና ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ህውሓት ኣሎ።

ኣብ ሓደ ጽሑፈይ ትአመት EFFORT ናብ ህዝቢ ትግራይ ናይ ምምሕልላፍ ተበግሶታታ ኣሎ፡ እሞ እዚ ብሰፊሕ ውዳበ ዝውነን ቁጠባዊ ኮርፐረሽን ተባሂሉ ኣብነታዊ ስራሕ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ ኢለ ጽሒፈ ኔረ። እንተኮነ፡ እዚ ከምበዓል ኣርከበ ዑቁባይ ርእሶም ቀቢሮም፡ ካብ መራኸቢ ብዙሃን ተሰዊሮም እንተወሓደ ስድራቤታዊ ጌርካ ምትራፍ ዝብል ኒሕ ተቀኒቶም ለይትን ማዓልትን ዝሰርሕሉ ዘለዉ ጉዳይ፡ ስፍሓት ነጋ ንህዝቢ ትግራይ ፈጺሞም ከምዘይውንንዎ ብግልጺ ተዛሪቦም እዮም። "እዚ ንብረት ህውሓት ኢዩ" ናይ ዝኮነ ኣካል ወይ ህዝቢ ትግራይ ኣይኮነን ክብሉ ዘስደምም ዘረባ ኣስሚዖም እዮም።


እቲ ሺም Endowment Fund for the Rehabilitation of TPLF እንተዝቅይርዎ ዝያዳ ገላጺ ምኮነ። እንባኣር ከስ እዚ ትካል ንህዝቢ ትግራይ ተባሂሎም ክሳብ ዝቆሙ፡ ህዝቢ ትግራይ ክርከቦም ኣለዎ ዝብል መርገጺ ወሲዱ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይሰርሓሉ ከምዘሎ መጠን፡ ናይ ውልቀሰባት እሞ ከኣ ገበነኛታት መነዓዓብቲ ህዝቢ፡ ይኹኑ ስድራቤት ዝኮኑሉ ምኽንያት ፍጹም ኣይክህሉንዩ። ካድራት ይኩኑ ነባራት ተጋደልቲ ኣብዚ ዋላ ሓደ የብሎምን። እቶም ካድራትሲ ተረፍ መረፍ ከከም ዝሓሰዉዎን ዘላኽዕዎን ኣይስእኑን እዮም፡ እንተቶም ኣካላቶምን ዕድላቶምን ዝከፈሉ ተጋደልቲ ህውሓት ነበር ግን ታዕሪፋ የብሎምን። ገለ ካብቶም ብህውሓት ዝመሓደሩ ትካላት ምስንርኢ!


Construction Cement/Building Sur Construction Mesfin Engineering Maichew Particleboard Romanat Packaging Textiles Almeda Textile/Garment Sheba Leather National Geotextile/Gabion Agriculture Guna Tradin Hiwot Agriculture Bruh Tesfa Irrigation Raya Field Agroprocessing Abergelle Livestock Mining Ezana Mining Saba Stones Transportation TransEthiopia Selam Bus Pharmaceuticals Addis Pharmaceuticals .....ወዘተረፈ ክጥቀሳ ይክእላ። ነዚአንን ነብሶምን ንምትራፍ፡ ህዝቢ ኣገዲምካ፡ ቁሩብ ተስፋታት ሂብካ ምቅላስ፡ ወይ ሓቢርካ ምጥፋእ ዝብል ዕላማ ሒዞም ይዋግኡ ኣለዉ። እቲ ሓቀኛ ህዝባዊ ትዕዝብቲ ግን እንታይ ይመስል? ኣብ ቁ.03 ንመልከት።


ወተሃደራዊ 57 ካብ 63 ላዕለዎት ጀነራላት ሰራዊት እታሃገር ብኣባላት ህውሓት ዝቆሙ እዮም፡ ብመሰረት Bronwyn Bruton። ብኣባላት ህውሓት ዝተዓብለለ ሰራዊት ቀጻልነቱ ከረጋግጽ እንተኮይኑ ግጭታትን ኣይሰላም ኣይኪናት ኩነታትን ክቅጽል ኣለዎ።

ብመሰረት 5 ውዕላት ኣዋጅ ሰላም ኤርትራ ኢትዮጵያ ኣብ ውዕል ኣልጀርስ ዝተሞርለሰ፡ ዶብ ብዘይቅድመ ኩነት ቀጥታዊ ምሕንጻጽ ክህሉ እዩ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ። እንተኮነ ንህዝቢ ትግራይ ደኣ ራህዋ እንበር፡ ንህውሓት'ሲ ናይ ሞት ፍርዲ'ዩ። ምኽንያቱ፡

ሓደ መንግስቲ ኤርትራ ብቀጥታ ናብ ንቡር ዋኒኑ ስለዝምለስ፡ ሰራዊት ከጣይስን፡ ካልእ ቁጠባዊን ፒለቲካውን ዕማማቱ ክገብርን ስለዝኾነ፡ በተሓሳስባን ገምጋምን ማለሊት ከኣ፡ "ሻዕቢያ እኳ ሰኣን ቁሩብ እዩ እንበር፡ ከይዱ ህዝባዊ ጸቅጥን ቁጠባዊ ቅልውላውን በርቲዕዎ ወዲቁ ኔሩ እዩ" ዝብል ዝንቡዕ ገምጋም እዩ ጸኒሕዎም። ምውዳቅ መንግስቲ ኤርትራ ከኣ ብቀጥታ ምእዋጅ ነጻ ትግራይን፡ ትግባረ "ማኒፌቶ 1976-ሕልሚ ዓባይ ትግራይን" ስለዘከትል፡ እንተኪኢሎም ሓዲሽ ሓሸውየ እንዳ ማሃዝካ ግዜ ምዕዳግን፡ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ብዝተፈላለየ መንገዲ ጸቅጢ ከምዝገብር ሽርሕታት እንዳማሃዝካ ካብ ሞት ኮንደኾን እንተዳሓና ተባሂሉ ዝስረሓሉ ዘሎ'ዩ።


እቲ ካልኣይ፡ ዶብ ብቀጥታ እንተሓንጺጹ፡ ሰላም እንተሰፊኑ፡ ዝቁርመም መሬት ወይ ዝፍንጨል መሬት ኣይኮነን ንማለሊታውያን ዘተሓሳስቦም፡ እንታይ ደኣ፡ ኣይሰላም ኣይኪናት ኩነታት ኣሎ ተባሂሉ፡ ገዚፍ ባጀት ተሰሊዕዎ ኣብ ዶብ ዝዓስከሩ፡ ከምኡውን ኣብ ዶቡብ ሱዳን ብስም UNMission ዝሰርሑ ብመብዛሕታኦም ብተጋሩ ዝተዓብለሉ ሰራዊት ክቅነሱ፡ ወይ ናናብ ቦታኦም ክፋነዉ እዮም። ኣብ ኣቃውማ እቲ ሰራዊት ድማ ምምዕርራይ ክግበር ናይ ግድንዪ። እዚ ድማ እቲ ናብ ደረጃ ምጥፋእ ገጽና እንተኣምሪሕና ዘለና ወተሃደራዊ ኣማራጺ ከነረክብ ኢና ዝብል ክፋእ ዝዓብለሎ ስግኣት'ዩ።


ብሕጽር ዝበለ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ 46 ማዓልታት፡ ኣዲስኣበባ ክሳብ ዓንቀራ ከሐይላ ዝክእል ስራሓት፡ ከም ዝተፈላለዩ ሓይልታትን ፖለዪከኛታትን ከምዝኣትዉ ብምጋግባር ኣብ ምስራሕ ከተሕልፎ እንከላ፡ ማለሊታውያን ከኣ ኢሰያስ እኳ ቀሪቡ ኔሩዩ ኢላ፡ ብቀትሪ ዝሓለመቶ ከተሳሲ፡ ህዝቢ ምስ ህዝቢዶ ጅንዳዕፍሪትዶ ክትብል ናይ ተወሳኪ ደቂቅ ሰዓታ ድራማታት ክትሰርሕ ብኣኼባን ዘተን ክትብል ግዚኣ ብላሽ ኣባኺናቶ።


03. ህውሓት ኣብ መንጎ ክልተ ሓይልታት ዘይኮነ፡ ኣብ መንጎ ክልተ ተጻረርቲ ስነሓሳብ ተቀርቂራ ትሓቅቅ ውድብ!


ዶ/ር ኣረጋዊ (ን40ዓመታት ኣብ ደገ ብወያነ ግብረሽበራውያን ተባሂሎም ተኸርዲኖም ዝነበሩ ተቃወምቲ ውድብ ኣባል ዝኮነ)፡ ኢልዎም እዩ፡ "ንስኹም እቲ ናይ 1976 ማኒፌስቶ ሕልሚ ዓባይ ትግራይ፡ እወ ኣብ ወረቀት የላን፡ ኣብ ዝኮነ ሰነድ የለን፡ ኣብ ርእስኩም ስለዘላ ግን ክሳብ ሕጂ ተሽከርክረኩም ኣላ" ክብል ኣብ ኣኬባ ፎርም ምሕደራ ትግራይ ጨርጊፍዎም'ዩ። ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ዝገለጽክዎ፡ ሓደ ብቅንዕና ሰላምን ሓድነትን ህዝቡ ከስፍን ዝሰርሕ ስርዓት እትረፍ ኣብ 27 ዓመታት ንኢትዮጵያውያን ዝተዋሳሰበ መንነት ዘለዎም፡ ንዓለም ምሉኡ ወን ከስምራ ይክእልዩ። ካብ ኣሜርካ ዝከፍእ ፋሕ ጭንግራሕ ዝበለ ዓሌትን ሃይማኖትን ሰይታኒዝምን የለን እሞ፡ ብሓድነቶምን ጥበብ ሃገራውነቶም ደኣ ንዓለም ይመርሕዋ ኣላዉ።


ስለዚ ኣብዚ ዘረዳኣካ እንተሎ፡ 70/80 ዓመታት ተሳኒዮም ዝነብሩ ዝነብሩ ኣህዛብ ነንሕድሕዶም ሓዊ ካብ ኣተዎም፡ እሞ ከኣ እቲ ዝከፋአ ኣብ ርእሲ ከተማ ዝኣክል ክሳብ ክንድዚ ጽልኣት ተጋሩን መራሕቶምን ምህላው ናይ ነገር ጥዕና ዘይኮነ፡ ወጽኢት ደይመደይ ኢሉ ዝተሰርሓሉ ዓሌታውን ሃይማኖታውን ንቁልቁል ኣተፋኒንካ ሕልምካ ሕልሚ ምንጻል ንምምስራት ዓባይ ትግራይ ምትግባር ካብ ዝብል ክፋእ ፖሊሲ ዝተከስተ ጥራይ እዩ። በቲ ከኣ ንኢትዮጵያን ኢትዮጳውነትን ኢና ንሰርሕ ኢሎም ይመጻደቁ።


ስለዝኮነ፡ ኣብ ባይታ ከምዚኢታት ሃገር ናይ ምምስራት ተስፋታት ጥራይ ዘይኮነ ሂቦሞ ንህዝቢ ትግራይ፡ ምስ ካልኦት ሕብረተሰባት ኢትዮጵያ ውን ፈጺሙ ክነብር ከምዘይክእል በቲ ናይ ክፍእቶም ጥበብ ጌሮም ኣእሚኖሞ ይርከቡ። ነዚ ክውን ንምግባር ካብቲ ባዕሎም ዝነቀሳቀስዎ፡ እዚ ግእዝ ኢናዶ ዋላ ኣጋኣዝያን ኢና ዝብሉ ማሕበራት ጉጅለታት ከም ሓድጊ እቲ ዝጸንሐ ኣተሓሳስባ ክፍጠር ኪኢሉ።


ኣብ ታሪኻዊ ድሕረባይታ እንተመጺካ፡ ፈጺሙ ባይታ ዘይብሉ ፍልስፍና ኢዩ፡፡ ህዝብታት እዚ ከባቢ ከኣ ቀደም ዝተሓናፈጸን ዝተዋሰበን ሕብረተሰብ ኮይኑ ትረኽቦ። ዋላ ነቲ ንክጥዕሞም ሓውናዶ ዓሌትና ዝብልዎ ተዛራቢ ትግሪኛ ኣብ ኤርትራ'ሲ፡ መስመር ወለድኡ እንተሪኣካን ታሪክ ገንጺልካን፡ ካብ ቀላይ ጣና ጎንደር-ደንቢያ ተላዒሉ ዝጽመጸ ምኳኑ ይሕብረና (ብንጉስ ሞረኒ ተመሪሑ ዝመጸ ዓሌት ካብ ደምቢያ ድሕሪ ምልዓሉ፡ ኣብ ገሽናሽም ምስ ኣዕረፈ፡ ጫሉቕ ፋሉቕ ከምኡ ውን ማሉቕ ዝበሃሉ ብምውላድ፡ ንምሉእ ሓማሴን፡ ኣከለጉዛይ፡ ገለ ክፋል ሰራየ፡ ቤት ኣስገደ ሳሕል፡ ብሓፈሻ ዓሌቱ ሕጂ፡ ዝሰፍሐ ክፋል ኣብ ኤርትራ ዝሽፍን ኮይኑ፡ ብትግሪኛ ትግረ ሳሆ፡ ካልኦት ቢሄርታን ዝቆመ እዩ ይበሃል)። ብዝኮነ እዚ ታሪኽ ንተረኽቱ ገዲፍካ፡ ማለሊታውያን ዝሃንደስዎ ናይ መስፍናውነት ኣተሓሳስባ ክሳብ ክንደይ ድሑር ምኳኑዩ ዘርኤካ።

ሕጂ ህዝቢ ትግራይ ንህውሓት ሻዕቢያ ዝበሃል ቀዳማይ ሓዪልን፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝበሃል ካላኣይ ሓይልን ከጥፍእዋ ዝሰርሑ ዘለዎ ዝመስሎም፡ ግጉይ ስእሊ ዘለዎም ብዙሓት ኣይሰኣኑን ኢዩም።


እቲ ሓቂ ግን እቲ ተገራጫዊ ስነሓሳብ ኢዩ ኣዳኺሙ ኣማህሚኑ ዘሕቅቆም። ድሮ እኳ ገሊኦም በዓል ዶ/ር ደብረጼንን ካድራቱን (ኣዮኻ ናይና ኢልኩም ኣድንቁኒ ኢዩ ዝብሎም እዚ መሕፈሪ ዘይብሉ ስርሓት ቴክኖክራት) ንበተን ክብሉ እንከለዎ፡ ከም በዓል ፈለትወርቂ፡ ኣለም ገብረዋህድ ከኣ ናይ ኣዲስ ኣበባ ስልጣና ክንመልሶ ኢና ዝብል ኒሕ ሒዞም ኮንቱ ሃቀነ ንዝሞተ ፖለቲካዊ ምትሃቶም ኣብ ምብርባር ይርከቡ።


ክልቲኦም ኣብዚ ሕጂ እዋን ዘዕሽዎም ጉዳይ ኣለዎም። ንሱ ከኣ እቲ ንሰላምን ኣሸንዳን ዕላማ ዝገበረ ጽንብልን ሰልፍን ዉጻእ ኢሎም ዘውጽእዎ፡ ህዝቢ ድማ ምኹኑይ ስለዝኮነ እቲ መደብ ወጺኡ እንተዓለሎም ግንባር ኮይኑ ቅድሚኦም ክዋደቀሎም ዝደገፎም መሲልዎም ፍኒሕኒሕ ክብሉ ንሪኦም ኣለና። እሞ ናበይ? ናብ ኢትዮጵውነትዶ ዋላስ ሕልሚ ዓባይ ትግራይ! ክልቲኡ ምስ ማለሊት እሳትዩ! ምስ ሓዲሽ ገስጋሲ መሪሕነት ግን እቲ መንገዲ ንጹርዩ፡ መራሒ ጥራዩ ዝደሊ።

ንእግረመንገደይ ኣብዚ፡ ዉዱብ ዓረና ካብ ምስ ዝሞተት ህውሓት፡ ምስቲ በዓል ዶ/ር ኣረጋዊ ዝመርሕዎ ካብ ደገ ዝመጸ ዲሞክራሳዊ ዉድብ ህዝቢ ትግራይ ክሓብር ወሲኑ ኣሎ። ፈንፋኒካ እንተበዚሑ!


04. ምስ ዝጸመመ ዝጸመሙ ዜጋታት ኣለዉና!


ገንዘብ ጄነቫ ናበይ ኣበለ? እቲ ብኩሉ ሸነካቱ ካብ ኣወዳድብኡ ክሳብ ጭርሖታቱ ንሰብ እንታይ መልእክቲ ከመሓላልፉ ከምዝደለዩ ዝኣርመሞ ተዓዛቢ፡ መብዛሕታኦም ወጻእተኛታት ንነቲ ጉዳይ ዝተኸታተልዎ፡ ነቲ ውዕል ኣልጀርስ ብዘይወዓል ሕደር ይተግበር ወዘተ ዝብል ጭርሖታት ምስ ረኣዩ፡ እዞም ደገፍቲ መንግስቲ ክሳብ ሕጂ ኣይተላዕለሎምን ድዩ፡ እንታይ ደኣ ሎምስ ሰልቺዎም ከኣ፡ ኣብዛ ጀኔቫ ከርቲቶም ኢሉዩ ሓሊፍዎም። እቲ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ኣትሒዝና ዝከርተትናዮ፡ ሽዑ ከማኡ ኢልኩም እንተትድግፉና ኣኳ ምናልባት እቲ ጉዳይ ምሓጸረ።


ብዝኮነ ሰብ ጀኔቫ ብዘይ ኣጀንዳ ንሰብ ዘርመመ ፍጻመ ኮይኑ ተሪፉ።

ብካልእ ወገን፡ ነቲ ሰልፊ ላምባ እንተከስከስሉ ኢሎም፡ እዛ ናይ ብርሃነ ኣብረሀ ጽውጽዋይ ሃንዲሶም በዓል ወዲ ዳፍላ። ደሓር ኢሰያስ ኢሰያስ ኢሰያስ.......እዚ ሰብ ኣብ ምንታይ ኩም እዩ ውዒሉ? ቀደም ዘይሰለጠከ፡ ብከመይ መንገዲ ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ምስ ሓቀኛ ዞባዊ ሓዪሊ ክዝቲ ምስ ጀመረ፡ ያኢ ደንገጽቲ ኮይኖም ክደናግጽኩም ትጽበዩ!


እቲ ጸገም ንከይሪኣ ዝዓወራ ኣዒንቲ፡ ንከይሰምዑ ዝጸመሙ ዝመርሕዎ ሰልፊ ኢዩ ኔሩ። ርእስኩም ጸለሎ ስለዝቀብእዎ፡ ነቲ ጻዕዳ ፈጺምኩም ኣይክትሪእዎን ኢኩም! እቲ ዘዋጻእኩሞ ገንዘብ ኣብ ማዓላ እንተዝውዕል፡ ስንኩላን ኣለዉ፡ ኣደን ደቂ ስዋኣትን ኣለዉ፡ ክተባብዑ ዝግብኦም ማሃዝቲ ኣለዉ፡ ማህደረ ትምህርቲ ክመሃሩ ዝደልዩ ኣለዎ። ኮታ ኣብኡ ከተዉፍሩ ከለኩም ስነሓሳብኩም ብዘየገድስ፡ ጽቡቅ ግብርኩም ግን ሓሊፉ ምጸንሓኩም፡ ካብ ኩስቶ ከምዚ ገበረ፡ ወዲ እገለ ብእገሊት ትቀንጸለ ክትብሉ ትውዕሉ። ዋላ ብስነሓሳብ ተቃወሙ ከኣ፡ ንቅድሚት ዝደፍእ ስጉምቲ ምኳነ።


ካብ ዓለም ዘሎ ኣሰራርሓ ወጻኢ ኤርትራ ኣይትሓልፍን ኢያ ዘላ፡ ከሉ ዜጋ ንሃገሩ ከኣ እቲ ዝበልጸገ ፍትሒ፡ ሰላም፡ ልዕልና ሕጊ፡ ምዕባለ ክህልዋ ይሰርሓላ። እዚ ከኣ ካብ ወድዓውነት ይብገስ። ዓለም ገፋሕ ከላ ዝጸበብኩምሲ፡ እቲ ጽበት ኣብ ርእስኩም'ያ ዘላ ኢልዋ ሓደ ጠበቃ!


05. ፖለቲካ ኤርትራ፡ ኣብ ኤርትራ ድሕሪ እዚ ሕጂ ዘሎ መሪሕነት፡ ዝመጽእ ካልእ ተተካኢ ኣዚዩ ስትራትጂካውን ሓደገኛን ክኸውን ይኽእል'ዩ!


እዚ ኣርእስቲ ኣብ ዝመጽእ ቀዳም ክንትንትና እኳ እንተኮነ፡ እዚ ሕጂ ኣብ ተሳትፎ ሃገራዊ ንጥፈታት ኣብ ውሽጥን ደገን ኮይኑ ዝሰርሕ ዘሎ ወለዶ፡ ምእዙዝ ግን ከኣ ሓደገኛ ንጎረባብቱ ከይከውን ስግኣታት ኣሎ። እዚ ኣበሃህላ ንጹር ንምኳን፡ ቀዳሞት ኣቦታት ኤርትራን፡ መንግስቲ ኤርትራን ብጉዳይ ኢትዮጵያን ስርዓታቶምን ንዘበናት ክሳብ ሕጂ ኣብዘይ ዉዳኣ ጎንጽን ተጻብኦን ምትንኳላትን ብምጽንሑ፡ ከማ ኣረኣእያ እዚ ጸሓፊ፡ ኣብዙሓት መንእሰያት ዉሽጣዊ ቁጠባዊ ሓይሊ እታ ሃገር ኣጎልቢትካ፡ ጎረባብቲ ብዘየገድስ ንቅድሚት ምምራሽ ጥራዩ እቲ ጸዋጻኣና፡ እንታይ ዝኮነት ኢትዮጵያ ኢያ ከነዐርያን ከተፍርሰናን ክትሕስደናን ትነብር ዝብል ርድኢት ኣሎ። ካብ መስፍናውያን ማለሊታውያን ተጋሩ ክሳብ ኣምሓራን ሊሂቃናቶምን ኣብ ዞባ ኢትዮጵያ ኣእቲካ ዝመጸ ርድኢት ኮይኑ፡ እቶም ዘይተፈተኑ ዝተረፉስ ኦሮሞ ጥራዮም።


ብዓንተብኡ ክንርድኦ ዘለና፡ ዋላ እኳ መንግስቲ ኤርትራ ግዝኣተ ሕጊ ዶብና ንከረጋግጽ ብቀዳምነት ይስራሕ፡ ምብትታን ኢትዮጵያ ውን ንወያነ ኣጎልቢቱ ኣውጺኡ ቀጻሊ ስግኣት ንኤርትራ ከይከውን ከቢድ ግዜን ንዋትን ኣፍሲሱ ኣብዚ ደረጃ ዓወት ይብጻሕ፡ ክንጽር ዘለዎ ቅኑዕ ነገር ግን ኣሎ። ንሓና ከም ህዝብን መንግስትን ካብ ኢትዮጵያ ቁጽሪ ሓደ ንረብሖ ጉዳይ እንተሃሊዩ፡ ዕዳጋ እዩ። ብመጠን ብዝሒ እታ ሃገር ሪኢካ፡ መጠን ኣህላክነት ንተጠቃምነት ወደባትና ክጎልብት ይኽእልዩ። እዚ ግን ካልኣዊ ምርጫ ጌርካ ጥራይ ምውሳድ ኣካሊ'ዩ። ምኽንያቱ ንሕና ብስፍሓት መሬት ካብ መበል ኣብ 98 ደረጃ ንስራዕ ሃገር፡ ብባህሪያዊ ትሕዝቶ ይኩን ስትራተጂካዊ ኣቀማምጣ ቀሊል ዘይኮነ፡ ብንጹር ንልዕሊ ፍርቂ ሃገራት ዓለም ንሓልፈን ሃገር ሃገረ ሓያልን ስልጡንን ሕብረተሰብ ኢና፡፡ ልክዕ ከምቃልሲ ንናጽነትን ንልኡላውነትን፡ ኣብ ዉሽጣዊ ዓቅምና ተሞርኪስና ክንሰርሕ ወለዶ እዚ ግዜ ከኣ ሓላፍነት ኣለዎ። ሰብ ከነመስርሕ, Human Resource Development ጥበብ ከነማዕብል, Creativity Promoting ምምስራሕ/ማኒፋክቸሪን ከነታእታቱ, Manufacturing Enhancement ህዝባውያን ትካላት ክንሃንጽ, Building a Public Institutions ዉጺኢታዊ ኣገልግሎት ከነተእታቱ, Practicing Effective National Service ወተሃደራዊ ሓይልና ከነጎልብት, Weaponizing the Military Equipment ቁጠባ ከንሃንጽ, Building the National Economy ሜድያ ከነማዕብል, Media Development ማሓዉራት ጸጥታ ከነስፍሕ, Networking and Empowering the National Security Agency .....................ወዘተ መጻኢ ወለዶ ክገብሮ ዘለዎ እዩ፡ ባይታ ከኣ ይፍጠር እምበር ኣይወሃብንዩ! ንሕና ንፈልጥ፡ ፍልጠት ንኩሉ የምጽእ!


የግዳስ፡ ምስ ዞባና ውን ሓቢርና ክንሰርሕ፡ ዞባዊ ጸጥታ ክንምስርት፡ ናይ ሓባር ዕዳጋ ክህልወና ይክእልዩ፡ ክንሰርሓሉ ውን ኣለና፡ ኤርትራ፡ ሶማል፡ ኢትዮጵያ፡ ጂቡቲ፡ ሱዳን....5ሃገራት ዞባዊ ምውህሃድን ሓይልን እንተሊወን ጽቡቅ።

እዞም ኣብ ኤርትራ ምምጽኦም ዘይተርፎም "ዓቃባውያን" ዝኮኑ ናይ ሓደስቲ ወለዶ መሪሕነት ግን ነዚ ከምዘለዎ ካልኣዊ እኳ ዝሰርዕዎ እምተኮኑ፡ "ብጎረባብቲ ሃገራት ሰላም ዝሰኣነ ህዝቢ ሒዝና፡ ከም ፍልስፍና እስራኤላውያን ሃገርካ ሒዝካ ንቅድሚት ምምራሽ ጥራዩ ዘዋጻኣና፡ ክጸሪ ዘይክእል ዞባዩ" ዝብል መርገጺ ዘለዎም ኢዮም።

ኣብ ቀጻሊ፡ እንታይ ፍልስፍና እዩ ዝምዕብል ዘሎ በዞም ተካእቲ ወለዶ ክንሪኦ ክንፍትን ኢና። ከም ዉዳበከ ዉድባት ድዮም፡ ዋልስ ብዘይቀጥታዊ ርክባት ዓንኬላት ዝፈጠሩ፡ ኣብ ፍልስፍና ዝራከቡ፡ ዝርግሕኦም ካብ ድፋዕ ጾረና ክሳብ መምሃርን፡ ተሓጋገዝቲ መምሃራን ኣብ ዩኒቨርሲታት፡ መራሕቲ ኮማት፡ ኣባላት ሚኒስትርታትን ክፍሊ ስትራቴጅካዊ መጽናዕትታት፡ ኤምባሲታትን፡ ናይ ሜድያ ጉጅለታትን፡ ኣብ ውሽጥን ደገን ሰፊሕ ዝርግሐ ዘለዎም ኢዮም። ኩሎም ኣብ ሃገሮም፡ ብነጻ ወይ ብዉሑድ ክፍሊት ይሰርሑ።


06. ኤርትራ ኣብ ምህዞን ስነዓን ሪአያ!

ኩልና ንከታቶሎ ከምዘለና፡ ሓደ ካብቲ ኤክስፖ ዘአንግዶ ዘሎ ምህዞን ሰንዓ'ዩ። ብውዱብ ተታሒዙ ስለዘሎ ከኣ፡ መጻኢ ኤርትራ ብደቃ ዘበስር ኢዩ። ኣብ ቀጻሊ ሰፊሕ ሸፈነ ክንህቦ ምኳንና ኣንዳሓበርና፡ ኩሉ ሰብ ውን ነዚ ጉዳይ ከም ሓባራዊ ወፍሪ ወይ ሺርካዊ ወፍሪ ርኢዩ ምስ ዝተፈላለዩ ወደብቲ ኣካላት ከም ሚኒስትሪ ትምህርቲ፡ ማሕበራትን፡ ኮለጃትን ርክባት ብምፍጣር ቢዝነሱን ኣበርክትኡ ክገብር ይኽእልዩ።


ዘለኩም ርኢቶ፡ ሃናጺ ነቐፌታ፡ መኣረምታ፡ ቁጽሪ ብምጥቃስ ኣብታሕቲ ግደፉልና፡ ዘለና ሓበሬታ ከነካፍለኩም፡ ከነብርሃልኩም ድሉዋት ኢና። Share ብምግባር ንኩሉ ኣባጽሕ። መሰነይታ ኣሳእልን መወከስን ኣብ ታሕቲ ተዓዘብ።

ዓወትንሓፋሽ NationalEr Interest

118 views0 comments

Recent Posts

See All
bottom of page