top of page
  • Writer's pictureNationalEr Interest

እንታይ ኣሎ: Entay Alo?

Published by NationalEr Interest on Facebook | August 17, 2018


ጥዕና ይሃበልና ዝከበርኩም ማሕበረሰብ ማሕበራዊ ሜድያ ብስራሕ ምኽንያት መገሻታት በዚሕና ቀንዩ፡ ብሓቂ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝዕመም ማእለያ ዘይብሉ ስራሕ ጽዒቁ ኣሎ፡ ሞያዊ ኣቤ

ሎ፡ በዓል ተሞኩሩ ካበይ ይምጻእ እዩ ዘሎ እቲ ጉዳይ፡ ሰላም ጸኒሕኩም ክትኮኑ እናተመነኩ፡ ንሎሚ ሓጺር ሓጺር እንታይ ኣሎ ኣብትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ኣሕጽር ኣቢለ ሓሳብናን ዜናን ከነካፍል። ንእግረ መንገደይ ግን ሰብ ሞያን ሃብትን፡ ክሳብ ዝኮነ መደብ ብመንግስቲ ዝእወጅ፡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኣቲኩም ዳህሳስ Survey ክትገብሩ ምኽርና ንልግሰልኩም፡ መታን ሓደ ርጡብ Concrete Business Plan ንምቅራብ ክጥዕመኩም። 1. ኤርትራ ሓዲሽ ጋሻ ክትቅበል ኣብ ምቅርራብ:-

ፕረዚደንት ዶቡብ ሱዳን ሳልቫ ኬር ናብ ኣስመራ ምብጻሕ ክፍጽም'ዩ። ከምዝፍለጥ ውን ጁባውያን ናብ ሓዲሽ ሃገራዊ ምርድዳ ክበጽሑ ኪኢሎም ኣለዉ። ናይ ስልጣን ምምቅራሕ ተፈጺሙ፡ ተቃወምቲ ውድባት ድማ ክሳብ 14 ካብ 32 ሓደስቲ ናይ ስልጣን ወናብር ክረኽቡ ክበቅዑዩም። ብመሰረት ድፍኢት ሓዲሽ ቀዳማይ ሚኒስተት ኢትዮጳያ ዶ/ር ኣቢየ፡ ኣብ ሰላም በጺሖም፡ ዕዮ ገዝኦም ኣጻፊፎም ክመጹ ምክኣሎም፡ ዞባና ዳርጋ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ምቁጽጻር ዋናታቱ ክኣቱ ክበቅዕ'ዩ።

ከም በዓል ዳቪድ ካሜሩን፡ ፕራይም ሚኒስተር ዓባይ ብርጣንያ ነበር ዝርከብዎም ኣተግበርቲ ዕንደራ ርእሰ-ማል ምዕራብ በዚ ጉዳያትን፡ ምጉዳል ተግርዳስነት ምምሕዳር ትራም ኣብ ናይ ስግር ባሕሪ ወፍሪታትን፡ ዓበድበድ ኣእቲሎም ከምዘሎ ይፍለጥ። ደቪድ ካሜሩን ኣብቲ "I’m proud I championed aid. But we must rethink how we do it" ኣብትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ዝጸሓቦ ጸብጻብ፡ መግለጺታት ክወሃበሉ ዝቀነየ፡ ከም ዶቡብ ሱዳን ሶማል የመንን ናይዞባናን ካልኦት ውዱቃት ወይ "Fragile" ሃገራት ተባሂለን ዝጽውዓ፡ እቲ ናትና ናይ ሓገዝ "Aid" ጥበባት ክግንዘብዎ ኪኢሎም እዮም እሞ፡ ሽሕ ግዜ እኳ ኣነ ኣብ ግዜ ስልጣነይ እንተተዓወትኩ፡ ሕጂ ግን እቲ ኣገባብ ክንቅይሮ ኣለና ክብል ምስ ብዙሓት ማዕከናት ዜና ሃለውለው ክብል ቀንዩ።

"In fragile states, resolving disputes and building institutions should take priority over a rush to hold election". ብዝኮነ "ርእሰ-ምርኮሳ" Self-reliance" እዩ እቲ ፍታሕ እሞ Aid is like a killing long term pills ክንብሎም ንደሊ፡ ግደፉና!!!


2. ደድሕሪ ምብጻሕ ላዕላዋይ ልኡክ ኤርትራ ኣብ ሶማል፡-

ፕረዚደንት ጁቡቲ ኣቶ ዑመር ገለን ናይ ሶማል ፕረዚደንት ፋርማጆ ክራኸቡ ኪኢሎም ኣለዉ፡ ጅቡቲ ንሰላም ክድመር ትጽቢት ኩሉ ኤርትራዊ'ዩ። እዚ ናይ ኣስመራን ኣዲስን ምንቅስቃስ ዞባና ኣርጊኡ፡ ንኩሉን ሃገራትን፡ ንኩሎም ህዝብታትን ሓባራውን ምዑሩይ ቁጠባውን ጸጥታውን ረብሓታት ክረጋግጽ ዝንቀሳቀስ ደኣ እንበር፡ ነታ ሓንቲ ሃገር ግዳይ ጌርካ፡ ነቲ ሓደ ሕብረተሰብ ረጊጽካ ዝመጽእ ለውጢ እንተኮይኑ፡ ካብቲ ዝጸናሕናዮ ኩነት ዝፍለ ኣይኮነን። ስለዝኪነ ብርእሰምትእምማን ንሰላም ዞባና ንሰርሕ ዘለና።


3. ምዚ ብምትሕሓዝ፡ ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ዳግማይ ምብጻሕ ክፍጽም ትጽቢት ይግበር፡ ኣብ ኣዋሳን ህዝብታት ዶቡብን ከኣ ክበጽሕ ተክእሎታት ኣሎ:-

እዚ ማለት ኣብ ኢትዮጵያ ሓባራዊ ርድኢት ንምህናጽ ከቢድ ኮይንሉ ኣብዘሎ ጉዳይ፡ ምብጻሕ ፕረዚደንትን ርክብ ምስ ህዝብን፡ ቀንዲ ዕላማታቱ፡ ህዝብታት ሓደ ነቲ ሓደ ዕብለልኡ ምርግጋጽን፡ ምጽልእን፡ ድሑር ፖለቲካ ምስ ስርዓት ወያነ ዝቅበር ምኳኑ መረዳእታት ምፍጣርን፡ ካብኡ ሓሊፉ ካብ ሕሉም ኢትዮጵያዊ፡ ምዕሩይ ኢትዮጵያዊ ንምርግጋጽ ምኳኑ ዝተፈልጠዩ። ከምቲ ኣብ ቁጽሪ ክልተ ዝበልናዮ፡ እቲ ሃገራውን ዞባውን ሰላም ንምምጻእ ዝግበር ጻዕሪ፡ ብዋጋ ዝኮነይኩን ሃገር ወይ ሕብረተሰብ ምኳን ትርጉም ኣልቦዩ። ስለዚ ሰላም ህዝብታት ኢትዮጵያ ነቲ ጠንቂ ኩሉ ምፍልላይን ምዝንባዕ ሓቅታትን ዝኮነ ስርዓት ህውሓት ፈሊካ ምእላይ ደኣ እንበር፡ ንህዝቢ ትግራይ ኣቶኪርካ ዝግበር ምንቅስቃስ ደው ክብል ምስ ምብጻሕ ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ትጽቢት ይግበር። እዛ ባህርዳር፡ ንወያነ ጥራይ ዘይኮነት ኣባህሪራስ፡ ዶ/ር ኣቢ ውን ብማዕዶዩ ክሓልፋ ጸኒሑ።

4. ኣማሓደርቲ ክልል ኣምሓራ ንኣስመራ ከምዝኣተዉ ይፍልጠ፡-

ቀጺሎም ደማ ሓደ ዓቢ ዕዮ ገዛ ሰሪሖም ኣለዉ፡ ምስ ዲሞክራሳዊ ምንቅስቃስ ሓይልታት ኣምሓራ ኣብ ሓባራዊ ምርድሳእ ክበጽሑ ኪኢሎም ኣለዉ፡ ናብ ሰላማዊ መስርሕ ድማ ክምለሱ እዮም። እቲ ተሪፉ ዘሎ፡ ናይ ትግራይ ተቃወምቲ ምስቲ ሓዲሽ ምምሕዳር ትግራይ'ዩ።


5. ስርዓት ወያነ ኣፍሊጡ እዩ፡-

ኣብትንፋስ ዝረከበሉ ግዜ ንሕልሙ ከሳሲ ንባህ ዝበሎ ጉጅለ ወይ ሃገር ክርብሽ። ምክናያቱ ከምዚ ክንዕዘቦ ዝቀነና፡ ሺሕ ዘረባ ሺሕ መርገጺ፡ ኣብ ጥራሕ ማዕኮርካ ፈኸራ፡ ንህዝቢ ምንዓብ፡ ብመንገዲ ማሕበራዊ ሜድያ ኪኢልናዮ ኢልካ ጠቀነ፡ ጸለመ ንሓዲሽ ቀዳማይ ሚኒስተሮም፡ ንህዝቢ ትግራይ ከም ብኩሎም ኣህዛብ ተጸላኢን ንምጥፋኣኡ ይስራሕ ከምዘሎ ኣምሲልካ ሓደገኛታት ጓስጋሳት ምክያድን ካልእን፡ ኮታ ኩሉ ከማውቱና ይክእሉዮም ዝበሃል መንገድታት ኣብ ምፍታን ተዋፊሮም ኣለዉ። ስለዝኮነ ትጽቢት ኩሉ ዜጋታት ኤርትራ ኢትዮጵያን ዞባናን፡ ኣብ ትግራይ ህዝቢ ብፍላይ መንእሰይ ድማ ነቲ ኣብዘይፈልጦ ኣጀንዳን፡ ዘይነበሮ ከቢድ ጽልእን ቂምታን ኣእቲዎ ዘሎ ጉጅለ መቃቂሉ፡ ንስልጣን ኢሉ ዘይኮነስ፡ ንረብሓታት ህዝቡ ኣቀዲሙ ምስ ዞቡኡን ኣሕዋት ደቂ ሃገሩን ተከባቢሩ ንዝመጽእ ዘሎ ሓዲሽ ዘበን ለዚቡ ክሰርሕ ዝክእል ህዝባዊ ቅኑዕ ምንቅስቃስ ፈንጢሱ ክወጽእ እዩ። ህዝቢ ትግራይ ኩሎም ከጥፉኡካ ይንቀሳቀሱ ኣለዉ ይብል ሓደ ካድረ፡ ንሱ ብዝጸሓፎን ብዝፈከሮን ዝተናደዱ ደቂ ካልእ ቢሄር ከኣ ነቲ ርሂጸ በላዕ ይማዓትዎ፡ ተመሊሱ ኣኢለካ ሚሽ ይብሎ።

ልኽዕዩ ንቅሓት ዝተሓረሞም ኣካል ህዝብታት ኢትዮጵያ ኣለዉ፡ የግዳስ ብፍላይ ንሕና ከም ኤርትራውያን ምጥፋእን ምጥፋእን ትርጉም ኣልቦ ምኳኑ ስለንፈልጥ ኢና ዋላ ትም ዘረባ ንመርጽ። ንጉስ ክሳብ ዝረዳ ሂወት ይጠፍእ ከይኮነኩም ህዝቢ ትግራይ፡ ታሪኽ ትሰርሕሉ ሜዳን ዕድልን ኣለኩም። ካልኦት ዝሰርሕዎ፡ ንስኹም ትስለምሉ ቅነዩ፡ እሞ ቆብ ኣብልዎ እቲ ምኽሪ። ብድሕሪኡ ህዝቢ ትግራይ ክኸብር ድዩ ዋላስ ከምቲ ንሕና ሓሰውቲ እንዳበለ ዝሓሰወኩም ማለሊትዩ ክጠፍእ ክንሪኦ። ጽንጽያ ዓይንሉም ዘንፍረልኩም ክንሪኦ!


6. ብዛዕባ ምስሓብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ሽራሮ ጥቃ ባድመ ንውሽጢ መሬት ሰሚዕኩም ኢኩም:-

እቲ ናይ መሬታዊ መጓዓዝያ በርታት ክኽፈት ተደልዩ ኣሎ፡ እንተኮነ "ፍርዲ ህዝቢ ምስ ህዝቢ" እና ንቅበል ክብሊ ማለሊት ሸቀጦም ቀጺሎም ኣለዉ። ዝገርምዩ። ብቀደሙስ እንታይ ደኣ ኣበኣሰና፡ ባዕሉ ህዝቢ ክፈትሖ ሽማግለ ኣውጺኩም ዘይትሰዱ። ህዝቢ ከይደናቀል ከኣ የልግቡልካ። ህዝቢ እሞ ዝከሰሮ ግዜን ዕድልን ከቢድዩ። ኣብዶብ ምህላዉ ብዘይ መበገሲ ወፍሪ በዓል ዋኒንዩ። ብዘይ ጸገም በዓል ክልተ ዜግነትዩ። ከምቲ ንስኩም ንስካ ኣምሓራይ፡ ንስካ ዓፋር፡ ንስካ ኣስላማይ. ...ክትብልዎ ትውዕሉ፡ ኣብ ኤርትራ ትሕተ ሃገራዊ ኣተሓሳስባ ተባሂሉ ቀምሪሩዩ። ንስኹም መበቆልኩም ላዕላይ ኣድያቦዩ ኪድ፡ ንስኹም ተጋሩ ኢኩም ዝብል ርእሲ የብልናን፡ ኣብታ ዘለዉዋን ዝመረጽዋን ክነብሩ ዝክልክሎም ኣይክህሉንዩ። ማዕጾ ፈንቂቅኩም ኣብ ገዛ እንዳሰብ እንተኣስፊርኩሞም ግን ፍትሒ ንኩሉያ!


7. Ethiopian Media House ዝብል ሓዲሽ በዓል ነጸላ ብ3ሚልዮን ዶላር ንምምስራት ኣብ ሰሜን ኣሜርካ ምንቅስቃስ ይግበር ኣሎ:-

ጃዋር Jawar Mohammod ጌርዎ ኢልካ ዝፍተንን ዝግበርን መሊኡዩ። ምምስራቱ ጽቡቕ ንሓይሊ ዞባና ዘራጉድ እንተኮይኑ። እዚ ሕጂ ንኢትዮጵያን መሲልና ላዕልን ታሕትን ኢልና፡ ሕጂ ከኣ ሰብ ነታልል እንተኮይኑ ግን፡ ንህዝብኩም ረኣዩ፡ ክንደሳዕ ኣሎ ምትላል ንብሎም። ናይ ሓባር ረብሓታትና ኪኖ ስግር ባሕሪ ንርአ እንበር ንሓድሕድና ሕልምኩም ከነሳሲ መናውሒ ከኒናዩ። መስረቱ ከምከብዲ ኢድና ስለንፈልጦም ከኣ፡ ከይተበገሰ ዝፈሸለ፡ ብቆርበት ኢትዮጵያ ዝተሸፈነ ቶኽላ ተጋሩ ዓባይ ትግራይ እዩ ክንብለኩም ንፈቱ።



እሞ ክብረት ይሃበልና እስከ እንዳበልና፡ ምክትታል ሃገርናን ዞባናን ክሳብ ንዘልኣለም። ዘለኩም ርኢቶ ጸሓፉ። ንትደሊዎ መብርሂ ካብዘን 7ነጥብታት ቁጽሪ ብምጥቃስ፡ ኣብታሕቲ ሕቶኩም ኣቅርቡ። ***ንደመር ንደማመር ኣብ ጠፈር ሓቢርና ክንመራመር*** ++++++ Like Comment Share ++++++

ዓወትንሓፋሽ NationalEr Interest

22 views0 comments

Recent Posts

See All
bottom of page