top of page
  • Writer's pictureNationalEr Interest

ንጣብ ዝክሪ ዘበን! An Eritrean Series Move.

ኣብ ኤርትራስ ከምዚ'ኣ ዝተሰርሐት ፊልም'ዶ ትህሉ!

ዛንታ በል፡ ኣሰራርሓ ዝተገብረላ ወጻኢታትን፡ ንዋትን ኮታስ ትድነቅ ፊልም ኮይና ረኪብና'ያ! ኣብዛ ፊልም ዝተሳተፉ መሳርሕትና ከይወጸት ከላ ብዛዕባ ዝገበርዎን ዘጋጠሞምን ከዕልሉና ኣሰልቾምና ኔሮም፡ ለካ ሕጂ ምስ ራእክዋ ሓቆምዮ'ም ኢለ!


መቸም ኣብ ዘበነ "መደመር" ባሃማት ደኣ ኣለዉና Calculas ዘይፈልጡ እንበር፡ EriTVን ቀየስቲ ስትራተጂ ሃገርናን ስርሖምዮ'ም ዝሰርሑ ዘለዉ! ሃገር ከረክብዋ እዮም፡ ክሸጥዋ እዮም ዝብሉናስ፡ ክንዲ ፍረ ኣድሪ እምነት እንተዝህልዎም እዛ ሃገር ተላዓሊ እሞ ክብ በሊ እንተዝብልዋ ኣብ ደቃይቅ ከም ትምኒቶም ምደየበት። ሕጂ ዝሕለፍ ተሓሊፉ፡ ጸሓይ ምእንቲ ርእሳ ኢላ በሪቃ፡ ሃገር ከኣ ምእንቲ ሃገራ ህዝባ ኢላ ክትምዕብል'ያ። መን'ዩ ቅኑዕ መንገዲ ዝመርሓና ከኣ ብርሃን ምስ ኮነ ከነለልዮ ኪኢልና ኢና፡ እሞ እቶም ክትመጻደቁ ዝወደቀ ኮኾብ ሃሰዉ ትብሉስ ኣይትድከሙ፡ ኣብ ጸልማት ኮንኩም ዘዳናገርኩምና ይኣክልርኩም፡ የቀኔልና፡ ዉራይና ክንገብር በጃኹም ረሓቁልና፡ ወይ ተናስሑ እሞ ኣሕዋትና ኢልና ክንማጎተልኩም። ስጋ እንተወደቀት ሕጻ ሒዛ'ያ ትትስእ ኢልና ክንምስለልኩም!


ኣብዛ ፊልም እንበኣር፡ ካብ ታሪኽ፡ ዝያዳ ንመን ንጥንቀቅን፡ ካበየናይ ፍጻመ ዝያዳ ንዘልኣለም ንመሃርን ርዱእ'ዩ፡ ንዕኡ ከኣ ንሰርሓሉ! ደሓር ኣብ ባይታ ትሕዝቶ የብልናን ወዘተ ኢልና ምኒን ኣይንበል፡ ቅድም ቀዳድም ዜጋ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ ኣተሓሳስባ እዩ ክህነጽን ክቃነን ዘለዎ። ምክንያቱ እንታይ ከይበልና፡ ካብ ታሪኽና ምምሃር ኣካሊ'ዩ፡ ሰዉራ ኤርትራ ኣተሓሳስባ ኤርትራዊ ክብርታት እዩ መጀመርታ ሃኒጹ እንበር ናይ 120ሚሜ ኣጽዋር ወይ ፋጎት ሚሳይል ኣይኮነን ዓጢቁ።

ዝተቃነየ ኣእምሮ "ተሰራዕ ተማዓራረ" ተባሂሉ ኣብ ሓደ መስመር ዝኣቱ ግን ዓጋቲ ይብሉን፡ ቦታ ከኣ ኣይውስኖን!

እንበር እዛ ፊልምስ፡ ሰሓቅ ድኣ ከይመልቆኩም እንበር፡ ዝያዳ እዞም ጎረቤትና ምስዚ ዘለዉዎ ሃለዋት ደግሲ ምድፋፍር፡ ፍዳ ዓመጽ፡ ኣዝያ ኣዝያ'ያ ተገድሶም ኔራ! Mentality than Materialistic....! ብወገነይ ኣብዚኣ'የ ዝኣምን!


ኣብ Youtube, Eri-TV Official, ንጣብ ዝክሪ ዘበን ኢልኩም ክትከታተልዋ ትክእሉ እኩም፡ ኣሎ ግጥም ጥፍእ ጥምጥም ናይ ጀጋኑ!



10 views0 comments

Recent Posts

See All
bottom of page