top of page
  • Writer's pictureNationalEr Interest

"ብሕሹኽ በሎ!" ዝሕንበብ ዘሎ ፖለቲካዊ ጥምጥም! ONE Click Politics!

እዚ ዘቅርቦ ዘለኩ ጸብጻብ ኣብቲ ትማል ዘዉጻእክዎ ጽሑፍ ዝተሞርከሰ እዩ፡ ጥራይ ዘይኮነ ንዘየምበብኩሞ ኣብ ታሕቲ ኣለኩም ኣንብብዎ፡ ቅድሚኡ ዝተሓትመ ከኣ ኣብ ገጻትና ረኣይዎ። ድሕሪ መጋረጃ ዘሎ ጸወታ ክጥዕም!


ሕሸኽሹኽ መርከልን ስርዓት ማለሊትን!


ኣብ ታሕቲ ዘሎ ቪድዮ ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ተጋዳላይ ኢሰያስ ኣፈዎርቂ ብመንግስቲ ጀርመን ብድሕሪ መጋረጃ እንታይ ይግበር ኔሩ ኩሉ ይፈልጥ ስለዝነበረ፡ ድሕሪ ምብጻሕ ኣንጀላ መርከል ኣብ ኢትዮጵያን ብስም ሰብኣዊ ሓገዛት ሚሊዮናት ኤሮ ስምምዕ ምግባራን (Massive Immigration Deal ይብልዎ ተዛረብቲ)፡ ኣብ ቅንያት ሓዲሽ ዓመት 2017 ነዲሩ ዝተዛረቦ ቪድዮ እዪ። ኣብ ግዚኡ ከኣ ተጋዊሑ፡ ገሌና ከኣ እቲ ሓቂ ከይፈለጥና እንታይ ኣእተዎ ክሳብ ክንድኡ ዓይኒ ምንቁቃር ንብል ኔርና። ጽቡቕ፡ ንቀጽል።


Former Ethiopian Prime Minister Haylemariam Dessalegn and Germany Chancellor Mrs. Angela Merkel


ሕሹክሹኽ ፕረዚደንት ኢሰያስን ዶ/ር ኣቢን


ነገራት ምስተቃያየረን፡ ሚሊዮናት ዶላር ኣብ ማይ ምስ ኣተወ፡ ዉዕላትን መደባትን ምስ ሃፈፈ፡ ክልቲኦም መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኪኖ ሓባራዊ ኣዋጅ ሰላም፡ ሓባራዊ ስትራተጅን ዕላማን ምስ ነደፉ፡ ካብኡ ሓሊፎም ከኣ መኣዝን ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዘደንቅ ቅልጣፈ ክቃንዩ ዝተዓዘቡ ዝተፈላዩ ፖለቲከኛታት መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት፡ መነጽሮም ኣማዓራርዮም፡ መርገጺኦም ከዐርዩ ተቀሰቡ። ጀርመን ግን ዝተፈልየ ከምቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ኤርትራ ዝበሎ "ኣሽካዕላሊ" መርገጺ ሒዛ። ኣብዚ ውን ገለ ካባና ሕጂ ከኣ ዘይመሳሰሉ ኢልና ነቲ ሓቂ ከይጋላህና! ከመይ ግን?


President Issias Afeworki and Prime Minister of Ethiopia Dr. Abiye Ahmed


ሕሹክሹክ ማለሊታዉያን ስድራ ስፍሓት ነጋን መራሕቲ ኦነግን!


እቲ ዝገርም ኮይኑ ዘሎ ጉዳይ፡ ሓይልታት ኦነግ ሃንደበት ድሕሪ ኣጣቃላሊ ስምምዕ ሰላም ሓሳቦም ብምቅያር፡ ዕጥቅና ከነዉርድ ኢልና ኣይኮናን ተቃሊስና ምባሎም እዮም። እዚ ዝከዉን ዘሎ፡ ማለሊታዉያን ኣብ ክልተ ተመቂሎም ጉጅለ ስድራቤት ስፍሓት ነጋን ጉጅለ ደብረጼንን ዝተባህሉ እዋን፡ እቲ ብደብረጼን ዝምራሕ ጉጅለ ስልታዊ ግን ከኣ ድኹም ክኸዉን ከሎ፡ እቲ ናይ ስፍሓት ነጋ ከኣ ጎነጻዉን ኣዚዩ ሓደገኛ ኣካይዳ ኮይኑ እዩ ዝጓዓዝ ዘሎ። ኮይኑ እንበኣር ኦነግ ካብ ቃልሲ ንሃገሩ ኣብ ዝምለሰሉ ዝነበረ እዋን፡ ናይ ዜሮ ሰዓት ከመይ ይጥቀሙላ ሓሲቦም ዝጸንሑ ስድራ ማለሊት፡ ኣብ መንገዲ ንሰራዊት ኦነግ ብጮማን ዝሕላን ተቀቢሎሞ። ንመራሕቲ ኦነግ ድማ ከምዚ ኢሎም ሕሹክ በልዎም፡ "ዝሓለፈ ሓሊፉ ኣሎ ይኣክል፡ እቲ ዘገድስ ኣብዛ ናይ ዜሮ ሰዓት ንዓናን ንዓኩምን ልዕሊ ዝኮነ እዋን ካልእ ግዜ ክንረክባ ዘይንክእል ዕድል ኣላ። ንሳ ከኣ ንስኩም ንሓንቲ ኦሮሞ 50ዓመት ተቃሊስኩም፡ ንሕና ከኣ ንዓባይ ትግራይ! ንሕናን ዕላማናን ኢሰያስ ምቅባር ዝተርፈና ዕማም ኮይኑ፡ ንስኩምን ዕላማኩምን ዘጉለዕላዓሉ፡ ኣብ ዓለም ማዕረ ሰብኩም ትስርዕሉ ዕድል...ናይ ሓሶት ኢትዮጵያ ኦሮሞኖትኩም ዘይትቅበል ኣብ 10ትመቀል"......ኢሎም ካን ልቦም ኣሸፍት ኣቢሎሞም። ከንዕዘቦ ከምዝቀነና፡ ኩሎም ኣክቲቪስታትን ሎቢስትን ንትግራይ ክመላለሱ ከምዝቀነዩ ዝርሳዕ ኣይኮነን። ፖለቲካዊ ዑቁባ ምሕታት ኣብ ማዓስከራት ትግራይ ምስ ሰላም ዘራክብ የብሉን ተባሂሉ ARART ስርሑ ኣሐይሉ፡ ንክሰልጦም ዝኣተዉ ኤርትራዉያን በዚሖም፡ ጀርመናዉያን ከኣ ገለ ዕድል ከምዘልዎም ተገንዚቦም።


Evil Mr. Nega dealing with OLF soldiers

ሕሽክሹኽ ግረድ ሙለርን ፕረዚደንት ኢሰያስን!


ልኡኹን ሓምኳል መርገጺ ጀርመንን ሒዙ ዝመጸ ገርድ ሙለር፡ ኣማጻጽኡ ክፍለጦ ዘይኣገሞ ፕረዚደንትን፡ ኣብ ዓድሃሎ ኮይኑ ምስ ዲፖሎማሰኛታቱን ጋዜጠኛታቱን ተቀበሎ። ሓገዝ ወይ Aid እዩ ኔሩ እቲ ቀንዲ ኣርእስቲ፡ መቀጸልታ ናይቲ ንገብሮ ዝነበርና ሓገዛት ኢሎሞ ከሽካዕልሉ። በዚ ዘንጸርጸሩ ጀርመናዉያን፡ ብመንገዲ ጉዳያት ወጻኢኦም እምታይ ኢሎም ዝበዝሕ ንውሽጢ ጌሮም፡ ቀቀሊሉ ተዛሪቦም ሰሚዕናዮም ኔርና። NationalEr Interest ብወገኑ ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፉ ንመንግስቲ ኤርትራ ናይ ዲፕሎማሳዊ ዋጋዕዳጋ "Diplomatic Negotiations" ባህሊ ከማዕብል መኺሩ ኔሩ። የግዳስ እቲ ሓቂ ረኣይዎ ኣብ ታሕቲ ምልክት ጌረሉ ዘለኩ ስእሊ ጀርመናዊ ኣንባሳድር ኮይኑ ናብ ኤርትራ ተመዚዙ ዝበሃል ዘሎ፡ ምስ ጸረ ታሪኽናን መንነትናን ዝኮኑ ተቆወምቲ ምስ ዝተሰዉአ ጅግና ክማጎቱ ዝዉዕሉ፡ ተሳኢሉ ንረክቦ። እቶም ኣብ መግለጺኦም" Reformist Force" ዝበልዎም ጉጅለ ማለቶም'ዩ ነዚኦም ሒዞም ክምጉቱ።


Minister of Development and International Cooperation Mr. Gerd Mullet and President Issias Afework

ሕሹክታ ዶ/ር ኣቢን ኢማኒኤል ማክሮንን፡ ኣንጀላ መርከልን!


ንፕረዚደንት ኢሰያስ ግድን ክትድዉለሉ ኣለካ ኢሉ ሕሹክ ዝበሎ ዶ/ር ኣቢ ንማክሮን ብመሰረት ማዕከናት ዜና ፈረንሳ፡ ንኣንጀላ መርከል ውን "ብሓንሳብ ኣለና፡ ካብ ሕጂ ንኔዉ ውን ቀ. ሚኒስተር ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮንኩ፡ ወጻኢ ጉዳይት ኤርትራ'የ" ኢሉ ሕሹክ ከምዝብል ዘጠራጥር ኣይነበረን። እቲ ኩዑሾ ምስ መን ኣሎ'ሲ ብዙሕ ምምርማር ዘድልዮ ኣይኮነን። ብቀደሙ ሻዕቢያ "ኢድኩም ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣውጽኡ" ኢሉ ብሓሙሽተ ቃላት መግለጺ ጺሑፉ፡ ናይ ዜና ማዕከናት ጀርመን ከኣ ምሉእ ገጻትን ትንታኔ ቪድዮታትን ክሕንጥጥዎ ምቅናዮም፡ ነቶም ያኢ "ሻዕቢያ ሓለንጊ ሰዉራ ንጀርመን ከምዘረካክበላ ፈኪሩ" ኢሎም ዘላገጹ እሞ ኣብዛ ስእሊ ምስዚ ጀርመናዊ ኣምባሳድር ተሳኢሎም ዘለዉ ጠፍኢዎም ኣይኮነን። እቲ ሓቂ ጀርመን ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብቲ 60% ንግዲ ዓለምና ዝካየደሉ ዞባ ቀዪሕ ባሕርን ቀርኒ ኣፍሪቃን ዘለዋ ወይ ክህልዋ ዝክእል ረብሓታት ክትስእን ስለትኽእል'ዩ። ስለዝኮነ፡



ሕሹኽሹክ ፕረዚደንትን ሉኡኽ ሕብረት ኤዉረጳን፡ ድግስ ስትራተጅካውያን መራሕቲ ኤርትራ ኣብ ኤምባሲ ቱርኪን!



እቲ ከምድላያ ትእዝዞ ሕብረት ኤዉረጵ፡ ምናልባት ንብል ንሕና፡ ንዘሎ ዲፕሎማሳዊ ፍሕፍሕን፡ ኣብ ባይታ ዘሎ ዘይከሓድ ሓቅን፡ ንከህድእ ኢሉ ሓደ ልኡኽ ሰዲዱ፡ ንሱ ዉን ዝሓዘ ሒዙ፡ እንተስ ንምዕራይ፡ እንተስ መሊስካ ካብኡ ኣይሕለፎ ክሰርሕ ትማል ኣብ ዓዲሃሎ ምስ ፕረዚደንት ዉዒሉ። ኣየ "ዓዲሃሎ" ምስጢር ናይዛ ቦታ ክነግረኩም መብጽዓ ኣለኒ፡ ኣይርስዕን'የ ንግዜ ጥራየ ዝጽበ። ብዝኮነ እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ፡ እንበኣር ቀየስቲ ስትራተጂ ሃገርና ንጀርመን ናይ ደስ ኣይበላ ዝዓይነቱ ዝመስል ሎሚ ብምኽንያት መበል 95 ዓመት ምምስራት ሃገረ ቱርኪ ብምልኦም ቶርታ ክቆርሱ ዉዒሎም። ቱርክን ጀርመንን ከኣ ትፈልጥወን ኢኩም።



ወደሓንኩም ደቂ ሓንቲ ኤርትራ! ነጻ ፖለቲካ፡ ነጻ ሃገር! ሞት ፈሪሕካ ዕሱብ ኣይክወንን'ዩ፡ ፐርከ ዓሳብን ተዓሳብን ብሕጊ ተፈጥሮ ሞቶም ስለዘይተርፎም!


NationalEr Interest

27 views0 comments

Recent Posts

See All
bottom of page