top of page
  • Writer's pictureNationalEr Interest

ቃለ-መሕትት ፕረዚደንት ኢሰያስ ብዝቀለለ ክትንተን እንከሎ! 60% 60%....!!!

ብመጀመርያ እዚ ቃለመሕትት ንሓዲሽ ክስተት ሰላም ኤርትራ ኢትዮጵያን፡ ዝሰዓቡ ምዕባሌታትን ኣብ ዞባና፡ ብመንጽር ኣህጉራዊ ፖለቲካዊ ምዕባሌታት ኣቶኪሩ ዝተዋህበ መንርሂ እዩ። ንዝኮነ ዘቤታዊ፡ ወይ ናይ ዉሽጢ ሃገር ዝምልከት ኣይነበረን፡ ኣብ ዝቅጽል ክፋል ክዝረበሉ ምኳኑ ተሓቢሩ እዩ። እንተኮነ፡ እቲ ዝኮነ ኤርትራዊ ዝጽበዮ ምትዕርራይን ሓዲሽ መርሓ መደባትን ምስዚ ኣህጉራዊ ይኩን ናይ ዞባና ኣቃዉማ/ኣመላካክታ ዝተታሓሓዘ ስለዝኮነ፡ ነዚ ቀዲሙ ቃለመሕትት ዝተገብረሉ ዛዕባ ምርዳእ የድሊ። ብልክዕ እቲ ዝተካየደ ቃለመሕትት እንታይ መልእክቲ እዩ ኣሕሊፉ፡ ወይ ውን እንታይ ኢና ክንርዳእ ዘለና እቶም ትግሪኛ ቁሩብ ዝከብደና...?


ኣብ ምንታይ ተሞርኪስና እንበኣር ነዚ ቃለመሕትት ንረዳኣዮ? ገለ ኣገሰስቲ ነጥብታት ክንርኢ!


ኣሜርካዉያን ንኣከራካሪ ደቡባዊ ባሕሪ ቻይና "እቲ ዓቢ ናይ ቅልውላው ጸጋ" "Biggest Resource for Conflicts" ይብለዎ። The Agenda of Making & Management of Crisis!


ጉዳይ ካሽሜር፡ ህንዲ ፓኪስታን ክፍታሕ ኢሉ ኣይተኣስረን፡ ክሳብ ምዕራባዊ ሓይሊ ዝወድቅ ከኣ ዕጭኦም ኣብ ተጠንቀቅ'ዩ።


ኪባ ተኣጊዳ ተሪፋ! መኪታ ግን መከትኣ ንሃገራት እቲ ኣካባቢ ጸልዩ ኣብ ጎና ከሰልፈን ኣይከኣለን። ስለዚ እቲ ምርጫ ዋላ ናይ 1953 ሞዴል ማኪና እንዳዘወርካ ብዘለካ ሓዪሊ ምምራሽ'ዩ።


ሓንቲ ኮርያ ግዳይ ክልተ ደንበታት ብሶቬትን ኣሜርካን ዝምራሕ ዝነበረ ናይ ስነሓሳብ ሓይሊ እያ ኣብ ክልተ ተገሚዓ፡ ስለዚ እቶም ህዝቢ ነንሕድሕዶም፡ እቲኦም ዕሱባት ናይ ኣሜርካ ክብሉ፡ እቲኦም ከኣ ዲክታቶር ክበሃሉ ጸሓይ ይዓርቦም ኣሎ፡ ሕጂ ግን ስለምንታይ ከምናትና ኣይኮነን እንበር ቅልጡፍ ምንቅስቃስ ይገብሩ ኣለዉ ኢልካ ምሕታት ኣገዳሲ እዩ? እታ ሰሜን ዘላ ኮርያ ኣይወደቀትን፡ ህዝባ ወፍያ ብደም ሓያል ሃገር ኮይና፡ እታ ደቡብ ዘላከኣ ዋላ እኳ እቲ ናይ ምዕራባዊ ዓለም ክንክን እንተተጠቅመትሉ ዘይንሳ መሲላ፡ ራፐር Rap Music ልዕሊ ኣሜርካዉያን መሊኻቶ ካብ ተጽምመና ነዊሕ ኮይኑ፡ እንተኮነ ምስ ምብቃዕ ሳልሳይ መዋእል፡ ክልቲእርን ኮርያታት ነዚ ግዜ ዘምጽኦ ዕድል ክጥቀማሉ ዝጓየያ ዘለዋ ይመስላ።


ቱርኪ ነዚ ምብቃዕ ሳልሳይ መዋእል መዝሚዛ እያ ፈንጢሳ ክትወጽእ ፈንጠርጠር ትብል ዘላ፡ እንተኮነ ዋላ እኳ ዝበዝሕ ህዝባ ኣብቲ ቅዱስ ሃይማኖታት እስላምን ክርስትናን ዝኣምን እንተኮነ፡ ካብ ዓረባዊ መግዛእቲ ዉን ክትናገፍ ብዙሕ እንተጻዓረት፡ ናብኡ ዝመልሳ መራሒ ግን መጺእዋ።


ተደጋጋሚ ግዜ ጀነራል ስፍሓት ኤፍሬም ነዚ ዘሎ ኩነታት ክትርድእዎ እንተኬንኩም፡ "እቲ ታሪኽ ካብ ኣርባዓታት ጀሚርኩም ኣጸቢቅክኩም ክትርድእዎ ኣለኩም" ክብል ዘይተሰምዐ ኣይኮነን። ስለምንታይ፡ እቲ ዝበዝሐ ሽግር ብናይ ርሑቅ መቆጻጸሪ፡ ወይ ምትእትታዉ ዝተፈጥረ'ዩ። ካብ 1944 ድሕሪ ምዉጻእ መግዛእቲ ኢጣልያ፡ ፕረዚደንት ውን "ሰለስተ መዋእል" ክብል ገሊጽዎ።


ቀዳማይ መዋእል፡

ካብ 1944 ክሳብ 1974 ዝነበረ ምትእትታዊ ብኣሜርካን እንግሊዝን ዝምራሕ ዓለማዊ ሓይሊ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ። ከምዝዝከር፡ ናይ በላሕቲ ረቀቕቲ ያኢ፡ ሃይለስላሴ ቀዳማይ ኣብ ጻዕዳ ገዛ White House ክኣቱ ዝከኣለ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ዝብል ሽልማት ረኪቡ ነበረ። ንሕና ከኣ ቀዳማይ ጸሊም መራሒ ኣብ ኣከባቢና ዓሌትነትን ሃይማኖትን መሰረት ዝገበረ ሽግራት ዘምጸአ ኢልና ንጽዉዖ፡ እቲ ዘበነ መስፍንነት ከም ዓለሙ ገዲፍካ ማለት'ዩ። እቲ እዋን ንስትራተጂካዊ ረብሓታት ኣሜርካ ተባሂሉ ኤርትራ ምስ ዱሑር ሃጸይ ዝመርሓ ዝነበረ ኢትዮጵያ ክትቁረን ዝተወሰነሉ እዋን እዩ ኔሩ። ብዘይ ምትእትታዉ ምዕራብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ሓባር መጻኢአን እንተዝዉስና'ከ እንታይ ምኩና፡ ናቱ ርእሱ ዝከኣለ ኣርእስቲ'ዩ። ምንቅስቃስ ቀጽሪ ናጽነት፡ ኣልራቢጣ ኣልእስላምያ፡ ብኣቦታት ወልደኣብ ወልደማርያም፡ ኢብራሂም ሱልጣን፡ ደሓር ጀብሃን ሻዕቢያን ድማ እዚ መዋእል ይብዳህ ኔሩ።


ካልኣይ መዋእል፥

ካብ 1974 ክሳብ 1990 ዝነበረ ምትእትታዊ ካልእ ሓያል ሃገር፡ ሶቬት ሕብረት። እቲ ሓድጊ፡ ክሳብ ዝማረኽናዮም ኣጽዋራታን ጀነራላታትን ኣብ ታሪኽና ጎሊሑ ዝርአ ስምብራት እዩ። መንግስቱ ዉን ናይ በላሕቲ ረቀቕቲ እዩ ደጉሙ፡ ካልእ ዓለማዊ ሓይሊ ዓዲሙ። ደሓር እዚ ሓይሊ ኣብ ኣከባቢና ዋላ እኳ ኣብ ዉሽጡ ይዳኸም እንበር፡ ብሻዕቢያን ወያነን ካልኦት ተቃለስቲ ዉድባትን ዉን ተደርዒሙ ወጺኡ'ዪ። ዝምድና ህዉሓት ምስ ሻዕቢያ ኣታዊ ወጻኢ'ዩ ኔሩ ልክዕ፡ ብፍላይ ንዓመታት ህውሓት ንታሪኽ ክኾነና፡ ከምዚ መለስ ኣብ እዋን ናጽነት ዝበሎ እሞ ሕጂ ዉን ካድራት ዝደግምዎ "በዚ ዘለኩም ናይ ሳሕል ስነሓሳብ ምስ ዓለም ክትከዱ ኣይክእሉን ኢኩም" ዝብልዎ፡ ልክዕ ኣብቲ ናይ ቃልሲ መድረኽ ዉን ድሕሪ ብድሆ ሻዱሻይ ወራር፡ ወያነ እዚ ናይ ሻዕቢያ ኣተሓሳስባ ሚሽ ክዕወት ንባዕሉ ሓደገኛ'ዩ ይብልዎ ኔሮም፡ እንተኮነ ኣብ 1988 ሻዕቢያ ናዶው እዚ ዝኣክል ኣብ ሰለስተ መዓልታት ዛዕ ምስ ኣበልዎ፡ "ይካኣሎ'ዶ ከብለካ ጅግና በዓል ስረ" ክብሉ ክዝይሙ ዘይርሳዕ ኣይኮነን! እቲ ታሪኽ ክጥምዝዙ ብዙሕ ዝጸዓርሉ ምክንያት ስለዘለዎም እዩ።


ሳልሳይ መዋእል፡ ካብ 1991 ክሳብ 2018 ናይ GameOver!

እንኮ ዓለማዊት ሓይሊ "ኣሜርካ" ዝተጋህደትሉ እዋን። ወያነ ድሕሪ ናብ ስልጣን ምምጽኡ፡ ናይ ቃልሱ ታሪኽ ገዲፍካ ኣብ ታሪኹ ክልተ ዓመታት ጥራይ'ዩ ሓራ ኮይኑ። ካብ 1994 ክሳብ 1996። ኣታዊ ወጻኢ ዝምድና ወያነ ስለዘይተኣምነ፡ ክሳብ 1994 ኣብትሕቲ ቁጽጽር ህዝባዊ ግንባር፡ ኣሃዱ መካናይዝድ፡ ኮማንዶን እንዳስለያን እዩ ኔሩ። ጸኒሑ ምስተገድፈ፡ ከምቲ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ኢሰያስ ዝበሎ ያኢ እዚኦም ዉን ናይ በላሕቲ ናይ ረቀቅቲ ሓሲቦም እኳ ካብ ታሪኽ ከይማሃሩ፡ ብሽሚ ዲፕሎማሳዊ ንቅሓት/ምትዕጽጻፍ ደጊሙ ንኢትዮጵያ መሪሑ፡ ኣብ እንኮ ዓለማዊት ሓይሊ ኣሜርካ ሰሊሙ፡ እንደገና ናይ ሃይለስላሰ ስራሕ ኣብዚ ዞባ ደጊሙ፡ ዘይሕከኽ ፖለቲካዊ ዕንወት ኣዉሪዱ። እዚ ክበሃል ከሎ፡ ወያነ ናቱ ናይ ገዛእ ርእሱ ኣብ ጸቢብ ኣተሓሳስባ ዝተሞርከሰ ዕላማታት ውን ኔርዎ'ዩ፡ እቲ ንፈልጦ "ማኒፌስቶ ዓባይ ትግራይ"።


ኣብ 2018 ምስ ምብቃዐ ድማ ሓያል ስራሕ ንምጽጋኑ የድሊ። ስለመንታይ ኣብቂዑ፡ ሓደ እቲ ምስ ምስ ኣተሓሳስባ ህውሓት ዘይኮነ ምስ ኣተሓሳስባ ምዕራባዉያን ኣይከይድን እዩ ዝተባህለ ግንባር ናይ ሻዕቢያ ክነጽፍ ኣለዎ ተባሂሉ ሰለዘይነጸፈ ጥራይ ዘይኮነ፡ መኪቱ ሰቡ ኣብ ዉሽጥን ደገን ብስም ዞባዊ መኸተ ወዲቡ፡ ስትራተጂካዊ ፈልጽታት ኣብ ግንባር እቲ መልሕቅ ጉጅለ ኣዕሊቡ እዩ ተዓዊቱ። እንተኮነ ካልእ ክንርድኦ ዘለና ጉዳይ ውን ኣሎ፡

እንድሕር ኣብ ቀዳማይ መዋእል ሶቬት ሓዪላ ንኣሜርካ መጺኣ ተኪኣታ እሞ ንሃይለስላሴ ኣዉዲቃ ንመንግስቱ ኣምጺኣ፡ መንግስቱ ዉን ምስ ምድኻም ሕብረትሶቬት እንተተሳዒሩ ንብል ኣለና፡ እቲ ነዚ ክዉንነት ኣንቢብካ ኣብ ረብሓ ግንባርካ ናይ ምዉዓል ረቂቅ ሓይሊ ዝወነነ ህግ ዉን ድሕሪ ናይ ዓመታት ምጥንካር ሓይሉ በርቃዊ መጥቃዕትታ ወሲዱ ድሕሪ ናደዉ ኣብ ሳልሳይ ዓመቱ ናጽነት ተጓናጺፉ ንብል ኣለና፡ ሕጂ ውን መዓስ የጥቅዕ ክጽበን ክዉደብን እዩ ጸኒሑ፡ ማለት ሎሚ እንኮ ሓይሊ ዓለም ኣሜርካ ድሕሪ ናይ 20 ዓመታት ዕንደራ ኣብ ምብቅዑ ስለዘሎ፡ እቶም መልሕቃት ዘበናዊ መግዛእቲ ምስ ተቀልዑ ተስፋየብሎምን። ኣብዚ ዝመጽእ እንበኣር ራባዓይ መዋእል'ዩ። ድሕሪ እዘን ኣብ ታሕቲ ዘለዋ ኣርእስቲ ንተዓዘብ።


ካብ ዓለም ዘሎ ጸጋታት እቲ፡ 60% ኣብ ኣፍሪቃ ይርከብ!

እንታይ ዝብል ብሎጋት Blogs! ኣሎ መስለኩም፡ America-Africa! EU-Africa! China-Africa! Japan-Africa! ሕጂ ከኣ Russia-Africa ክመጽእ'ዩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብርጣንያ ንበይና፡ ኢጣልያ፡ ቱርኪ፡ ህንዲ...ወዘተረፈ ዘርከበ ናብ ኣፍሪቃ'ዩ። እቲ በዚ ሰበባት ዝመጽእ ሽግራት ክትሪኦ ከለካ፡ ንኩሎም መራሕቲ ኣፍሪቃ ተስፋ ዘቁረጸ'ዩ፡ እንትርፎ ንኢሰያስ። መለስ ክዋራዘ ንኢሰያስ ናይ ዓለም ማእከል ስሕበት፡ Center of Gravity እዩ ክከዉን ዝደሊ ክብል ኢሰያስ ኣብዚ ዞባ ናይ ዕብለላ ስነሓሳብ ከምዝስምዖ ጠቂሱ ኔሩ። ምናልባት ውን ኢሰያስ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንኩሎም ናይ ወጻኢ ሓይልታት ጸራሪጉ ዉድቡን ህዝቡን መሪሑ ማእከል ስሕበት ቀርኒ ኣፍሪቃ እንተኮነ እንታይ ኔርዎ። ንመጀመርታ ግዜ ድሕሪ ታሪኽ ዉድቀት ንግስነታት ኣክሱም ኣዱሊስ እዩ እዚ ምቁጽጻር ብደቂ መሬት ክገሃድ ምትከኣእለ፡፡ መለስ ክስዕቦ እንበር ክሕስደሉ ኣይነበሮን። ህዝብታት ከኣ፡ በኣ በታ መንገዲ ተመሪሖም ሓርነቶም ኣዊጆም ምስ ዓለማዉያን ሓይልታት ምተሰርዑ። ሕጂ ውን ከምቲ ቀላሲ ስትራተጂ ሃገርና ጀነራል ስፍሓት ኤፍሬም ዝበሎ፡ ነዚ ኣመላኻኽታ ጽቡቕ ጌሩ ስለዝርድኦ፡ "እቲ ማእከል ስሕበት ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣስመራ ምምጽኡ ኣይተርፎን'ዩ" ይብል ኔሩ ኣብ ግዚኡ ኣይኣመናዮን እንበር፡ ኮይኑ'ዩ።


ካብ ኣብ ዓለም ዝካየድ ንግዳዊ ምንቅስቃስ፡ እቲ ዳርጋ 60% ሚእታዊት ብቀይሕ ባሕሪ ይካየድ።


ኣብዚ ከባቢ ዘለዋ ሃገራት ጽልወአን ኣሐይለን ናብ ፍሉይ ቁጠባዊ ረብሓታተን ከይቅይርኦ ድማ ብዝተፈላለየ ሓድሕድ ዝጋጨዉ ሽግራት ከተልምሰን ኣለካ፡ ካብኡ ሓሊፍካ ውን ኣብቲ መንቀራቅሮ ባብ ኤልመምደብ ዝርከባ ሃገራት ክትዕስክር ኣለካ። እተን ሓያላት ካብ ድኻታት ወይ ግዳያት ዝኮና ሃገራት ንዘለወን ረብሓታት ዋላ ተጻረርቲ ይኩና ኮፍ ኢለን ይመያየጣሉን ይማቀላኦን እየን፡ ይዋኣየን ድኻታት ደኣ እምበር ሓድሕደን ክናቆራ! ኣብዚ ዞባ ቀደም ብዘበነ ስልጣነ ኣዱሊስ ሓያላት ሕብረተሰብ ክሳብ ፕረሺያ ወሽመጥ ፋርስ ፖለቲካዊ ጽልዋ ዝነበሮም ኣህዛብ እዮም ኔሮም። ነቲ ንግዳዊ መስመር ውን ዋላ እኳ ድሕሪ ምኽፋት መትረብ ስወጽ እቲ ዓይነታዉነት ንግዲ እንተተቀየረ፡ ተቆጻጺሮም ግን ናብ ረብሓኦም ኣዉዒሎሞ እዮም። ናይ ሕጂ ወለዶ ከኣ ትሪኡና ኣለኩም ንምክት ኣለና እንበር ጌና ናብ ረብሓና ከነዉዕሎ'ስ ኣይከኣልናን።


ኣሜርካ ካብ ሃዋይ ክሳብ ዒራቅ ትብል መጽሓፍ፡፡ደሓር ከኣ ሊብያ፡ ሶርያ፡ የመን ወሲኽካ ዝነበረ ሰናርዮ/ዛንታ ምንባብ ከድሌና እዩ። መወከሲ መጽሓፍ፡ America's Century of Regime Change from Hawaii to Iraq, Author of Stephen Kinzer. ስለምንታይ ኣገዳሲት! መባእታዊት ናይቲ ኩሉ ነገር ስለዝኮነት። ኣብ ዓለም ዘሎ ቅልዉላዋት ኣዲኡ ትቁጸሮ እንድዩ (ኣብ ስእሊ Map ተዓዘብ)፡ ዓመታዊ ብገምጋም ክሳብ 10,000 ዜጋታት ዝቅዘፉለን ዘለዋ ሃገራት ግን ብሰንጠረጅ ኣብ ታሕቲ ተመልከት።


ናብቲ ትርጉም ቃለመሕትት ንመለስ


ራባዓይ መዋእል፡ ሓራ ቀርኒ ኣፍሪቃ

ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ነጥብታት ብግቡእ ምርዳእን ምምርማርን እንበኣር ነቲ ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣብ ቃለመሕትቱ ዝበሎ ብግቡእ ምርዳእ የክእል።

ብመሰረት ቅማሪኦም፡ መራሕቲ ኤርትራ ካብ ቁጠባዊ ጽግዕተኛኝት፡ ባህላዊ ወራር፡ ወታሃደራዊ ምትእትታዉ፡ ብቀንዱ ከኣ ካብ ንካልኦት ናይ ወጻኢ ሓይልታት ዘሳሲ ፖለቲካዊ ኣመላኻኽታ ካብዚ ታሪኽ ሰለስተ መዋእል ተማሂርካ ሓራ ዝኮነ ዞባ ክምስርቱ ይደሊዩ ኣለዉ። ኣብ ዒላ ኬንካ ከም እንቅርዖብ ምንባር ንስፍሓት እቲ ሰማይ ምርዳእ ኣየክእለካን እዩ። ካብቲ ዒላ ንዉጻእ ሕጂ። ብዛዕባ ኣብቲ ዒላ ዘሎ ዝተዘርገ ማይ፡ ምዉሓድ ናይቲ ማይ፡ ኣብኡ ዘሎ ናይ ፍጡራት ናይ እጀታ ሕቶታትን ሓድሕድ ግጭትን ካልእን ጥራይ ብምርኣይ ነቲ ሽግር ኣይፈትሓልካን እዩ። ምክንያቱ ጉዳይ እታ ዒላ መብዛሕትኡ ግዜ በቲ ኣብ ደገ ዘሎ ኩነታት ዝናብ ይኩን ካልእ ስለዝጽሎ። ልክዕ ከምዚ ሕጂ ንብሎ ዘለና ጉዳይና ንግበር ኢልና ንካታዕ ሰባት ማለትዩ። እቲ ኣማሪጺ ካብ ዒላ ወጺካ፡ ነቲ ኩነታት ናይታ ዒላ ዝጸልዉ ረቋሒታት ተቆጻጺርካ ናብ ረብሓካ ቀዪርካ፡ ሓራ ዝኮነ ዞባ ምምስራት ጥራ'ዩ።


ነዚ ጉዳያት ከብርህ ተጸዊዑ ዝመጸ ፕረዚደንት ኢሰያስ፡ ሓደ ቀዳማይ ትግባረ ንዝወረደ ፖለቲካዊ ዕንወት ምጽጋን'ዩ ክብል ተዛሪቡ።




ፖለቲካዊ ዕንወት ማለት እንታይ ማለት'ዩ?


ህዝብታት ኣብ ክንዲ ሓድሕድ ምክብባርን፡ ምዕሩይ ፍትሕን ምዕባለን ዘረጋግጹ፡ ብዝተፈላለዩ ሓድግታት ስነሓሳብ ምዕራባዉያን፡ ምብራቃዉያን፡ ዓረባዉያን፡ ካልእን መሰረት ጌሩ ብሓድሕድ ግጭታት ምህማሽ Social Marginalization ምኽታል ማለት'ዩ። እዚ ሰናርዮ ብዓይኒ ስዕረት ዝኣምንዋ ወላዲቶም ዉድቦም ርኢዮም ንኣብነት፡ ድሕሪ ጽባሕ ሰላም ኤርትራ ኢትዮጵያ ይኩን ሎሚ፡ ከክፍኡ ዝበልዎ ጸለመን ምንዕዓብን ጎስጓሳት የካይዱ ኣለዉ። ነቲ ምኽታም ሳልሳይ መዋእል ስለዘይተገንዘብዎ እዮም እንበር ከንቱ'ዩ። ካብቲ ፕረዚደንት ወይጦታት ዝሰመዮም ዝብልዎ፡ ዝገብርዎን፡ ምጥርጣ ምንጋስ፡ ኣብ ሞንጎ ሕብረተሰብ ግጭታት ምፍጣር፡ ምጽላም፡ ኣብ ዉሽጢ ዓድካ ንህዝብካ ከይእከብ ከይመክር ፍርሒ ከምዝስምዖ terrorise ምግባር ገበናትን ቅትለት ስርቅን ምንጋስ፡ ወዘተ ካብቲ ንጥፈታቶም እዩ። እዚ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት ኣባላት ወያነ ይኩኑ ካልኦት ክጸሪዩ ኣለዎም። ክጸርዩ ማለት ወይ ነቲ ሒዞሞ ዘለዎ ረሳሕ ሓድጊ ስነሓሳብ ሒዞሞ ክቅበሩ ኣለዎም፡ ወይ ድማ ባዕሎም ፍልጠቶም ኣስፊሖም ክዕረዩ ኣለዎም፡ እሞ ይጥፍኡ ማለት ዉን ኣይኮነን። ሰብ ግን እንታይ በሊዑ' የተንፍስ ንሻዕቢያ ኣይጠፍኦምን'ዪ እሞ ዘታልሎ የለን፡ መንገድኻ ምዕራይ ጥራይ'ዪ እቲ ናይ መጻኢካ ዕድል።


ኣብ ምወዳእታ ሓደ ነገር ክንርድኦ ዘለና፡ ስትራተጂ ህዝባዊ ግንባር'ሲ መዓስ በዘየገስ ምኽታም መዋእል ወይ እቲ ናይ ርሑቅ ሓይሊ እንዳተጸበየን ሓዪሉን ዓቅሙን ዉን ንነዊሕ ጠሚቱ እንዳወደበ እንዳኣሐየለ ናይ ምካድ ልምዲ ኣማዕቢሉ ንብል እንተሊናስ፡ ሕጂ ውን እዚ ዞባ ክሳብ ዝጸሪን፡ ብደረጃ ዓለም ሓዪሉ ክሳብዝወጽእን እሞ ዕድመ ፕረዚደንት ኢሰያስ እንተኣክተመስ ጉዳያት እንታይ ክመስል እዩ ኢልኩም ትሓስቡ ብዙሓት ኢኩም።

ናብ ታሪኽ ክመልሰኩም፡ ንዕርቂ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክዓርቅዎም ኤርትራዉያን ተዋጺኦም ንኣባላት መሪሕነት ህግ ምስ ከድዎም፡ ኢሰያስን ብጾቱን ከምዚ ኢሎም መለስሎም


"ንሕና ንናጽነት ኤርትራ ኢና ንቃለስ፡ እዚ ትብልዎ ዘለኩም ኣይንኣምኖንን ዕላማና ዉን ኣይኮነን። ኣይትኣምኑናን ኢኩም እንበር እዚ ክዉን ክከዉን እዩ።፡ምናልባት ንሕና ተሰዊእና ኣይንሪኦን ንከዉን፡ ዕድል እንተጌርና ግን ክንሪኦ ኢና"


ክብል መሊስሎም። እንታይ ማለት እዩ፡ እቲ ስትራተጂ ስነሓሳብ እዩ ኩሉ ግዜ ዝሰርሕ ዝቅጽል እንበር ምህላዉን ዘይምህላዉን ናይ ዉልቀሰባት ኣይኮነን። ብከምኡ ከኣ ኢና ነቶም ሞት ፕረዚደንት ክምህለሉ ዝዉዕሉ ንስሕቆም። ሎሚ ኩሉ ኤርትራዊ ስነሓሳብ ሻዕቢያ'ዩ ዘተንፍስ ዋላ ይቃወም ኣለኹ ይበል። ልክዕ እኳ'ዩ እዚ ስነሞጎት ክህነጽ፡ ከቢድ ዋጋ ተኸፊሉ፡ እዚ ስነሞጎት ክቅጽል ብዙሕ ሰብ ተኸላቢቱ፡ ምስ ኣካዉሕ ሓቅታት ተጋጭዩ፡ ክሳብ ዜጋታት ኣብ ዓዶም ምንባር ከቢድዎም ናብ እግሮም ዝመርሖም ተሰዲዶም። ግን ምስ ከዱ ከኣ ይኽበድ ይፍኮስ ክስገር ዘለዎ ቃልሲ ክሳብ ኮይኑ ዝረከብዎ ዜጋታት ተመሊሶም ኣብ ቃልሲ ኣትዮም። እቲ ቃልሲ ብዙሕዩ ዓይነቱ!


ብዝኮነ ሕጂ ውን ሰባት መራሕቱ ይሃልዉ ኣይሃልዉ፡ እቲ ሓራን ሓያልን ዞባ ክገብረና ዘክእል ስትራተጂ ምቅጻል'ዩ። ሰብ ክንቅሕ ማለት ብንእሱ እዚ ክፈልጥ ኣለዎ። ዜጋ 48 ሰዓታት ኣብ ማዓልቲ (VAT-Value Added Time) ክሰርሕ ኣለዎ። ብከመይ ብዉሽጣዊ ዓቅሙ ይበገስ፡ መምርሒ ዝጽበ ሰብ ኣይኮነን ኣብ ሳሕል ይኩን ኣብ ሳዋ ተሃኒጹ። ኩሎም ሃገራዉያን ክብርታት ይላበሶም፡ ክረኣይዎ እዮም እቶም መንገድታት፡ እቶም ስራሕ ዘድልዮም ጉዳያት። ዓለም ብኸመይ መንገዲ እያ ዳግማይ ክትስራዕ ክትመሓደር ኣብ ዕዉልዉል ከላ ሕጂያ እታ ግዜ ብደረጃ ዞባ ህዝብታትና ወዲብና ንትሳኣላ። ኬንያ ኡጋንዳ ካብ ካርታ ነዉጽኣየን። ኣብ ናይ ሓደ እዋን ጽሑፈይ ውን ገሊጸዮ ኔረ እየ፡ ኡጋንዳ፡ ኬንያ፡ ሩዋንዳ፡ ብሩንዲ፡ ታንዛንያ ምናልባት ውን ዶቡብ ሱዳን ኣብ ራዳሮም ኣላ፡ ብEast Africa Community ዝበሃል ዞናዊ መርሓ ጎደና ተመሪሐን ጉዳየን እየን ዝገብራ ዘለዋ። ኤርትራ ሶማልያ ኢትዮጵያ ጂቡቲ ሱዳን ምናልባት ውን ደቡብ ሱዳን ኣብ ሓደ ዞባ ተጠርኒፍና ንመክት፡ ካብ ዓለማዊ ምዝመዛ ሓራ ንዉጻእ።


ዘለኩም ርኢቶ ሕቶ ኣብታሕቲ ግደፉለይ

ሰላምን ቅሳነትን ዝመልኦ ዘበን ይግበረልና ዓወትንሓፋሽ

Picture Resolution is High, Zoom & View it!

48 views0 comments

Recent Posts

See All
bottom of page