top of page

ሄለን መለስን ናሆም ዮውሃንስን ኣብ ትግራይ, ኢትዮጵያ፡ ኮንሰርት!

Writer's picture: NationalEr InterestNationalEr Interest

ወይጦትን ካድራትን እዚ ከባቢ ኣይተበረሆምን፡ ወይ ዉን ከሽርፍዎ ይረኣዩ፡ እቲ ህዝቢ ኤርትራ ይኩን፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ግን ኣብ ከምዚ ኣጋጣሚ ጽቡቕ ጌሩ ከስተዉዕለሎም ኣለዎ።


ሄለን መለስ ንነዊሕ ዓመታት ብዘይምቁራጽ ንዓዉዲ ስነጥበብ ሃገርናን ኣከባቢናን ክትጸሉ ዝከኣለት፡ ጎይታ ስነጥበብ'ያ።


ናይ ናሆም የዉሃንስ ዝገርም ነገር እንተሃልዩ ከኣ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ንልቢ ንኣሽቱ ወለዶ ክብሕቶ ዘይተጸገመ፡ ስነጥበባዊ ስርሓቱ ብተኸታታሊ ድራማዊ መሰል ዘለዎ ዛንታ ዝተሞርከሰ ቅዲ ክዓዮ ብምብቅዑ፡ ሎሚ ጎይታ ዩቲዩብ YouTube ማሕበራዊ መራኽቢታት እዩ። ኣብ ናቱ ደርፍታት ዘሎ ብዝሒ በጻሕቲ YouTube/Google Viewers, እቲ ዘገርም ንብዙሓት ግኑን ስም ዘለዎም ኤርትራዉያን፡ ኢትዮጵያን ይኩኑ ካልኦት እዚ ከባቢ ጸብለል ክብል ምክኣሉ ዘየገርም ትዕዝብቲ ኣይኮነን።


ከምዝተገልጸ፡ እቲ ኮንሰርት ኣብ ስዳድዩም ትግራይ ክካየድ ኮይኑ፡ ብኣቶ ዳዊት ዝምወል ብሰለብሪቲ ኤቨንትስ ወይ ንሕና ንፈልጦ ዘይቅዱስ ናይ ሰላም መዝሙር ተባሂሉ ዝፍለጥ ዝነበረ እሞ፡ መዋሊኡ ብዓቢኡ ክልተ ሸዉዓት ማይ ዓዲ ሃሎ ምስ ተሓጽበ፡ ዝተቀደሰ ዝመስል ዘሎ ምንቅስቃስ'ዩ። ብባህሪና፡ ነቲ ጽቡቕ ንስዕቦ፡ ነቲ እከይ ከኣ ንርሕቆ ዘይኮናስ ነጥፍኦ ክሳብ ዝኮና፡ እዚ ሕጂ ዘዳለዉዎ ዘለዉ መደብ ክሳብ ካብ ፖለቲካዊ ድፍኢት ሓራ ዝኮነ (እቶም ካድራት ዎይጦታት ዘላክዕዎ ዘለዉ ወረ ገዲፍካ ማለት'ዩ)፡ ከምቲ ፕረዚደንት ዝበሎ፡ ናይ ሰላም ባይታን ምትእምማንን ህዝብታት ክልቲኡ ሃገር ዘስፍሕ ክሳብ ዝኮነ ቅቡል'ዩ።


ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብዛዕባ እቲ መደብ ኣፍልጦ ከምዘይብሉ እኳ ክገልጽ እንተጸንሐ፡ ሕጂ ግን ንድሕነትን ጸጥታትን እቲ ናይ ነጻ መእተዊ ትኬት ዘለዎ ብኣሽሓት ዝቁጸሩ መንእሰያት ክሳተፉ ትጽቢት ዝግበረሉ ዓቢ ሙዚቃዊ ምርኢት፡ ስታዲዩም ትግራይ፡ ሓላፍነት ከምዝስከም ኣፍሊጡ ኣሎ ይበሃል፡ ግን ንዝያዳ ምጽራይ ከድሌና'ዩ። እቲ ዝሕንበብ ዘሎ ጉዳያት ቀልጢፍዎም'ዩ ዝከዉን!



ሓደ እቲ ዘገርም ጉዳይ፡ ነቶም ሸቃጦ ተረፍ መረፍ ዘናደደ ፍጻመ እንተሎ፡ እቲ ን20 ዓመት መንነቱ ሓሲሩ ተደርቢዩ ክተርፍ ዝሰርሕሉ ኤርትራዊ፡ ዓምና/PIA ከምዛ ናይ ፌራሪ ማኪና ብኢድ ጥበበቡ ከምዝሰርሓና፡ ዋጋ ኤርትራዊ እሞ ንሓደ ስነጥበባዊ ምርኢት ዓሰርታት ኣሽሓት ዶላር'ዶ ኤሮ ምባል፡ ብደረጃ ህዝቢ ርኢካ፡ መና ሓሰረ መና መከራ ጸገበ፡ መና''ከ ከበረ'ዩ እቲ ጉዳይ። ህዝቡን ሃገሩን ንዘክበረ ብካልኦት ህዝብታት ይከብር፡ እንበር ዋላ ዜጋታትና ኮይኖም፡ ሽሕ ግዜ መንግስቲ ይበድሎም፡ ሓለቅኦም ውን ኣባሳጪዎም ይንበር፡ ወይ ዉን ተራ ከምኦም ዜግኦም ኣካላቢትዎም ይከዉን.... ተመሊሶም ሕነ ክፈድዩ፡ ህዝቦም ምሉእ ከዲዖም "የኢትዮጵያ ወታደር መስታዳደር" ዶ መንደፍ ኢሎም ትማል ደሪፎም ርኢና! እንተኮነ ብህዝቢ ኢትዮጵያ ዘይኮኑ ከቢሮም፡ በቲ ኣብ ዓለም ዝሓመቀ ጉጅለ እሞ ካብ ሱሩ ዝተማሕወ ጉጅለ እዮም ተዓሲቦም።

ኣክቢሩ ንዘክበረካ ኣክብር!


ሰናይ ናይ ሙዚቃዊ ምርኢት መደብ ይግበረሎም፡ ሰላም ንክልቲኡ ህዝብታት።


ዓወትንሓፋሽ

NationalEr Interest

43 views0 comments

Recent Posts

See All

댓글


©2018 by NationalEr Interest. Proudly created with Wix.com

bottom of page