ንሱ ይብል፡ ብመሰረት ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን ኣብ ፓርላማ ቀሪቡ ዝሃቦ መግለጺ ኣብ ጉዳይ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ (ኣብ ዝሓለፈ ሕታምና ኣንብቡ)፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ "ኣሽካዕላል መርገጺ መንግስቲ ጀርመን (Germany Cynical Stance) ዝብል ኣርእስቲ፡ "ጀርመን ካብ ነዊሕ ዝጸንሐ ኢድ ኣእታዉነት ኣብ ጉዳይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክትወጽእ ኣለዋ" ኢሉ ግብረመልሲ ሂብሉ፡ ክብል ጽሒፉ፡ ዛጊት ኣብ ሞንጎ ብዙሓት ፖለቲከኛታትን ወሃብቲ ርኢቶን ኣካታዒ ኣርእስታት ኣልዒሉ።
ንኣብነት ግለ ተንተንቲ፡ እዚ ሚኒስተር ንህሉው ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃን፡ ተራ ኤርትራን ዝሰሓተ ይመስል እሞ፡ በንጻሩ ንረብሓ ጀርመን ኣብቲ ዞባ ዝሃሲ ከይከዉን ክብሉ እንከለዉ፡ ንከም ቻይና ዝኣመሰላ ሃገራት ባብ ባዕልካ ካብ ምኽፋት ሓሊፉ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ እዋን ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላትን ፖለቲካዊ መስርሕ ኤርትራን ተዘሪቡ ፍረ ኣየምጸአን ይብሉ።
DW ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ኤርትራን፡ ምስ ዝተፈላለዩ ወሃብቲ ርኢቶ ኤርትራዉያን፡ እንተላይ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዑሱማን ሳልሕ፡ ሚኒስተር የማነ ገ/መስቀል፡ ሚኒስተር ዜናን ሓቲቱ ዘዳለዎ ናይ ቪድዮ ጸብጻብን ከም መወከሲ ብምውሳድ ድማ ሓደ ሓቂ ዘርጊሑ ኣሎ።
ሚኒስተር ኣህጉራዊ ምዕባለ፡ Minister Development , ኣቶ ግረድ ሙለር ኣብ ኤርትራ ዑደት ኣብ ዝገበረሉ ግዜ፡ ምስ ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ኣቶ ኢሰያስ ኣፈዎርቂ ብዕምቆት ተዘራሪቡ ኔሩ፡ ይብል። (መወከሲ ኣብ ታሕቲ Link ኣቲኻ፡ ዘሎ ቪድዮ ተዓዘብ) ጸኒሑ፡ ኣቶ ኣፈዎርቂ ንነብሱ ከም ሓደ ንህዝቡ ብዙሕ ኣበርክቶ ዝገበረት'ዩ ዝመስሎ። እቲ ዝገርም ግን፡ ህልዉ ኩነታት እታ ሃገር ኣጋናዚብካ፡ ናይ ወጻኢ ሓገጽ፡ Foriegn Aid ኣይንቅበልን ኢና ምባሉ'ዩ። እዚ ድማ ንኣህጉራዊ ምትሕብባር ዘለዎ ዘይቅሩብነት እዩ ዘነጽር ኢሉ።
ቀጺሉ ጀርመን ንከም Hammer Forum, ዝበሃሉ ጉጅለ ሓካይም ኣብ ምስዳድን ምሕጋዝን ነጢፋ እያ፡ (ንሕናስ ወደይ ዘይመንግስታዉያን ነጻ ማሕበር ኢና እዮም ዝብሉና ኔሮም)፡ ካልእ ውን ኣስታት $200ሚልዮን ኤሮ ውን ንሰብኣዊ ሓገዛት ኣበርኪትና ኢና ክብል ነቲ ኣብ ማይ ዝኣተወ እሞ ምስ ስርዓት ወያነ ገበርትን ሓደክትን ከለዉ ዝተሰማምዕዎ ፕሮጀክታት ማዓስከር ሸመልባን ሸገራይብን ብምጥቓስ ምክንያት መኮረይኦም ክገልጹ ይፍትኒ።
ወሲኹ ድማ፡ ርእሰ ምትእምማን እዚ መሪሕነት ናይ ኤርትራ ዓቀኑ ዝሓለፎ እዩ፡ ታሪኽ ምሂርና'ዩ እዩ ከኣ ዝብል ክብል ይጽብጽብ።
ብዝኮነ፡ ጀርመን ከምቲ ኣቀዲምና ዝጸሓፍናዮ፡ ብዙሕ ናይሓሹላት ኣጀንዳታት እኳ እንተለዎም፡ ባህሪ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ዲፕሎማሲ ተሞርኪስና፡ ዋጋ ዕዳጋ ዘየድልዮ ጉዳያት እኳ እንተሎን ፍሉጥ ውን እንተኮነ፡ ሃገራት ንረብሓታትን ከውሕሳ ክሳብ ዝኮነ ዓይነት መርገጺ ክህልወን ድልዋት ዝኮና፡ ኣብ መሰረታዊ ሃገራዊ ረብሓና ዝተሞርከሰ ናይ ባህሊ ዋጋ ዕዳጋ Diplomatic Negotiations, ከነማዕብል ይግባእ። ንኣብነት ሓደ ዲፕሎማሰኛ ናይ ጀርመን ነዚ ኩነታት ክገልጾ እንከሎ፡ እዚ ድኽመት ናይዚ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ'ዩ፡ ከመይ ኣብቲ ነዓና ዘገድሰና ጉዳይት ጥራይ ኣቶኪሩ ይዘራረብ Deal, ይገብር ክሓስብ'ዩ ኔርዎ፡ ብዛዕባ ንኣታሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ዝምልከት ንዓና ጀርመናዉያን ጥራይ ዝምልከተሉ ምኽንያት የለን ክብል ይነቅፎ።
ብወገን ተዓዘብቲ፡ ከምዚ ከማና (ጸሓፊ)፡ ከምዚ ዓይነት ምትእትታዉ ይኩን፡ ዋላ ውን ናይ ተራ ዝጠፈሹ ካድራት ይኩኑ፡ ኣብ ኣፈኣርክቡ ዝርከቡ መንግስቲ ኤርትራ ሓዲሽ ለዉጢ ኣታኣታትዩ መንእሰያትን ህግደፋዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎምን መሪሕነት እንተፈጢሩ፡ ከም ተቃወምቲ ንሓዋሩ ክንጠፍእ ኢና፡ ዋላ ውን ኣብ ዘይዓድና ክንኣርግ ኢና፡ ዝብሉ ክቱር ፍርሒ ለዉጢ ዘለዎም ዉልቀሰባት ጉጅለታት ወይ ዉን ንሶም ብፍብረኻ ሓሶት ዝድዉንዎ ርእሲ፡ ኣብ ጉዳይና ብዕምቆት ከይንነጥፍ ሓበላ ኮይኖምና ኣለዉ።
እቲ ዝበዝሐ ዋላ ይቃወም'የ ዝብል ኤርትራዊ ጸገም የብሉን፡ ዋላ እኳ ብዘይፍላጥ ምስሊ ሃገሮም ብኣሳእል photoshop ክድዉኑ ይዉዓሉ፡ ካብ ጽቡቕ ድሌት ዝተበገሰ ኣረኣእያ እዩ ኢልካ ምሕላፍ ኣካሊ'ዪ። እቲ ንደልዮ ስርዓትን ኣካይዳን ኣብ ሃገርና ከምዝህሉ ግን ርእሰምትእምማን ዘይንገብረሉ ምክንያት የለን፡ ናይ ሸቀጥ ዲሞክራሲ ገዲፍካ። ብዓንደርእሱ'ከ እምተሓሰብኩሞ፡ እቶም ተካእቲ እዮም ዝያዳ ጸናሕትን ነበርትን፡ እቲ ዝሓሸ ውን ክገብሩ መድረኻዊ ሕቶ ዘለዎም። እቶም ንኢሰያስ ይኩኑ መሳትኦም ክፍክሩ ዝውዕሉ፡ ዋላ ውን ሓቆም ይኩኑ፡ "ሓንቲ ማዓልቲ ደሓን" ክብሉ፡ እዚ ሰብኣይ ስርሑ ጌሩ ፈጺሙ ይከይድ ኣሎ፡ ጌና ውን ይቅጽል ኣሎ፡ እቶም በሃልቱ ግን ብከንቱ ከምፈከርኦም ከይገበሩ ኣሪጎም ይኸዱ ኣለዉ። መንእሰያት ኬና በዚኦም ርእስና ጅሆ ምትሓዝ ማዕረክንደይ ሃሳዪ ምኳኒ ምግንዛብ የድሊ። በቲ ሓደ ወገን ውን ተጸበይቲ ምኳን፡ሓደገኛ! መንእሰታት ኢና ንግበር ከኣ፡ እንበር ክግበረልና ኣይንማሕጸን። ከይንጋገ ታሪኻ ኣሎ ተሰርሐ ዝተዓወትሉ ንወከሶ፡ ክብርታት ኣሎ ንልበሶ፡ ብዓቢኡ፡ ሓቢርና ዘበናዉያን መናብርቲ ምኳና ኣሚና ንቅድሚት ንኪድ፡ እቲ ሰብ ዛንታ ድማ ዋላ ክትርስዖ ድለ፡ ታሪኽ ባዕሉ ክዝክሮ'ዪ።
ኣብ መወዳእታ፡ ናይ ኣስታት 16ዓመታት (ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣብ 1994 ተመሪጹ፡ ብ8ዓመት ጥራዩ ክብለጻ ማለት'ዩ) ዘበነ ስልጣና ኣብ 2021 ኣብ ምርጫ ሰልፊ ሰልፊ ዲሞክራሳዊ ክሪስቲያን Christian Democratic Party CDP ብዘይ ምስታፍ ከብቅዕ ምኳኑ፡ ወይዘሮ ኣንጀላ መርከል ወግዓዊ መግለጺ ሂባ ኣላ። (ዕድሚኦም በሊዖም ክከዱ እዩኦም PIA)። እዚ ግን ምስ ጉዳይ ኤርትራ ዝተሓሕዝ ምክንያት የብሉን።
የቀኔልና ንምንባኩም
ዓወትንሓፋሽ
亚博体育 亚博体育 亚博体育 亚博体育 亚博体育 开云体育 开云体育 开云体育 开云体育 IM体育 IM体育 博彩资讯 博彩导航 杏运体育 杏彩体育 乐鱼体育 爱游戏体育 华体会体育 华体会体育 AG真人娱乐 AG真人娱乐 AG真人娱乐 AG真人娱乐 AG真人娱乐 BG真人娱乐 体育外围 欧洲杯下注 欧洲杯下注 欧洲杯下注 欧冠下注 欧冠下注 KPL下注 欧冠竞猜 LOL下注 LOL下注 博彩网站推荐